መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 19 ሚያዝያ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ፡ ነቲ ኣካታዒ ኰይኑ ዝቐነየን ዘሎን ምስንዳኣት ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኣጀንዳ ብምውሳድ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣጽኒዑ ኣድላይ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።
ከም ዝፍለጥ፡ ካብ ከባቢ 20 የካቲት 2010 ጀሚሩ፡ ሰለስተ ኣባላት ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ሓባራዊ ቃልስታት ደንበ ተቓውሞ ንምኽዕባትን፡ ኣብ ዝለዓለ ህላዌ ንምስግጋሩን ዝዓለመ ዘተን ምይይጥን ምስ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ)፡ ከምኡ ኸኣ ምስ መሪሕነታት መሓዙት ውድባት፡ ብቐጻሊ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ከካይድ ጸኒሑ።
እቲ ብልኡኽና ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዘብርሆ እውን፡ ብዕለት 17ን 18ን ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ መሪሕነታዊ ኣኼባታት 11 ኣባላት ውድባት ኤዲኪ፡ ንዋዕላ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ኣረዳድኣን፡ ንምዕዋቱ ክግበር ዝግብኦ ቅድመ-ምድላዋትን ብሰፊሑ ተገሊጹ። ኣብ ኣኼባ ኪዳን ብሩህ ከም እተገብረ፡ ዝዀነ ዋዕላ ይኹን ፓለቲካዊ ውራይ፡ ዕዉት ኰይኑ ምእንቲ ክወጽእ፡
