ቃለ-መሕተት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለሰ ዜናዊ ምስ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ

 

ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ 
26-01-2010

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘንበሮ ማዕቀብ ሓደን ክልተን ዝመሃዝዎ ዘይኮነስ ዓለም ብዓለማ ነቲ ጉጅለ ፈንፊናቶ ከምዘላ ዘረጋገጸ ሓቂ ከምዘኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ክቡር ኣቶ መለሰ ዜናዊ ምስ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕተት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘንበሮ ማዕቀብ  ብኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተሃንደሰ ዝብል ኣባሃህላ ኣብ ገለ ኤርትራውያን ኣሎ ከመይ ትርእዮ ተባሂሉ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ማዕቀብ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት እንዳተናኸሰ ነዚ ዞባ ብምህዋኽ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዘለዋ ሃገራት ስለዝተጸልአ ዝተወሰነን ሓደን ክልተን ዝበሃለሉ ከምዘይኮነን ኣስሚሩሉ።

ኢትዮጵያ ተግባራት ህግደፍ ክፍለጥ  ኣብ ምግባር ብጽሒታ ኣበርኪታ እንተተባሂሉ ዘይክሓድ ሓቂ ዝበለ ኣቶ መለስ እቲ ጉዳይ ካብ ኢጋድ ክብገስ ከሎ ኩለን ኣባል ሃገራት በቲ ጉጅለ ዝተለኸፋሉ ውራይ ስለዝነበረ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ ከኣ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ ጫፍ ትርከብ ጋምቢያ ክሳብ መዓዝ ኢና ሃዋኪ ናይ ህውከት ሓይሊ ተጻዊርና ንኸይድ ዝብል መረረት ዘስመዐትሉን ናይ ህግደፍ ጉዳይ ኣጀንዳ ኩለን ኣባል ሃገራት ዝኾነሉን ተርእዮ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ።

እዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉጅለ ህግደፍ ሰላም ይህውኽ ስለ ዘሎ ማዕቀብ ይገበረሉ ኢለን  ብዓውታ ዘስምዕኦ ድምጺ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝተወሰነ ፈላሚ ክበሃል ዝኽእል ውሁድ ውሳነ ከምዝነበረ ድማ ሓቢሩዩ።

ስለዝኾነ እዚ ማዕቀብ ሓደን ክልተን ዝብሃላ ሃገራት ዝመሃዝኦ ወይ ዝሃንደስኦ ዘይኮነስ  ንጉጅለ ህግደፍ ዓለም ብዓለማ ስለዝፈንፈነቶ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ኣፈላላይ ዘይምንባሩ ዝመስከረ ሓቂ ድማ ኢሉዩ።

“….. ዓለም ብዓለማ ነዚ ጉጅለ ፈንፊናቶ ከምዘላ ካብ ናይ ዓለም መጋባእያ ካብ መድረኻት ናይ ዓለም ሕግን ኣሰራርሓን ወጻኢ ካብ ባህርያትን ስነ-ምግባርን ዓለም ወጻኢ ዝኾነ ኣካይዳ ዘለዋ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ዝብል መደምደምታ ተታሒዙ ሙሉእ ዓለም ፈንፊኑዎ ከም ዘሎ ዘመልክት ውሳኔ….”

በዚ ተወሲኑ ዘሎ ማዕቀብ ጉጅለ ህግደፍ ዕጥቂ ከይሸይጥ ከይገዝእ ተኸልኪሉ እዚ ማለት መብዛሕቲኡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዕጥቂ ናይ ደርጊ ዝነበረ ብምዃኑ እዚ ማዕቀብ እንዳቀጸለ ምስከደ እቲ ዕጥቂ ናብ ሙዚየም ምእታዉ ስለዘይተርፎ ንጎረባብቲ ምቱኽታኽ ክገድፎ ከገድዶ ከም ዝኽእልውን ኣቶ መለስ ገሊጹዩ።

እቲ ማዕቀብ ብኣንጻር ዲፕሎማሲ ክረአ ከሎ ድማ ሓለፍቲ ህግደፍ ፈቆዶ ሃገራት ዝኸዱ ዝነበሩ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ክሰርሑ ኣይነበረን ምስ በለ ድሕሪ ሕጂ ምስ ኣኽረርቲ ናይ ገንዘብ ኮነ ሓበሬታ ልውውጥ ኣይክገብሩንዮም ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ኤርትራዊ ከኣ ገንዘቡ ኣይክሓልቡዎንዮም ድሕሪ ምባል ፋይዳ ማዕቀብ ክብል ተዛሪቡ።

“….. እዞም ሓለፍቲ ናይ ህግደፍ ዝባሃሉ ፈቆዶ ዓድታት እንዳዘሩ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ኣይኮኑን ዝሰርሑ ነይሮም መብዛሕቲኡ እዋን ምስ  ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት እንዳተረከቡ ናይ ገንዘብ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ዝገብሩዩም ወይ ከኣ ኣብ ደገ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣኪቦም ከም ዘይትነጽፍ ላሕሚ ገንዘብ ዝሓልቡሉ መሰርሕ ነይሩ ከምዚ ገይሮም ነቲ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ዝሓልቡሉ ዕድል ክንኪ ማለት ከምኡውን ኣብ ደገ ምስ ዝርከቡ ናይ ጥፈኣት ሓይልታት ርክቦም ክንክ…..”

እዚ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነበረ ማዕቀብ ካብ ዝኾነ ይኹን ምንጪ ንትካላት ህግደፍ ገንዘብ ከይኣቱውን ስለዝእገድ ናይ ህውከት ጥጅእ ዝጥጁአሉ ዓቅሙ ክለምስ ዝገብር ኣብ ርእሲ ምዃኑ መብዛሕቲኡ ናይ ኤርትራ ናይ ንግዲ ምንቅስቃስ ዝብሓትኦውን እተን ናይ ህግደፍ ትካላት ብምዃነን ንሳተን እንተደስኪለን ኤርትራውያን ነጋዶ ዝንቀሳቀስሉ ሃዋህው ክፍጠር ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ኣመልኪቱዩ።

እዚ ማዕቀብ ንህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ዝምልከት ኣይኮነን ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዓለም ብዓለማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነትን ፈንፊናቶ ዘላ እንታይ ደኣ ነቲ ንሕግታት ዓለም እናሓንገደ ዝኣበየ ጉጅለ ህግደፍን ተግባራቱንምበር ምስ በለ ነዚ ከኣ እቲ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍን ናይ ህግደፍ ትካላትን ብኣውርኡ ዘነጻጸረ ክብል ድማ ኣፍሊጡ።

“…..እዚ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሳዕቤን ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን ቅድሚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ምንባሩ ባዕሉ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ማዕቀብ ኣንቢሩሉዩ። ንወጻኢ ከይንቀሳቀስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብናጻ ከይንቀሳቀስውን ገይርዎ ከይነግድ፡ ከይሰርሕ፡ ከይመሃር ከልኪልዎዩ። ዘዝተወለደ ቆልዓ ናብ ግዱድ ዕስክርና እንዳለኣኸ  ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ሙኩዓት መሬትን ምፍላጽ እምንን ክውዕል ተገይሩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጽዕንቶ ዘብጸሐ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ኣብዚ ሕጂ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ተፈንፊኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተፈንፊኑ  ጉጅለ ህግደፍ ድማ ብተግባራቱምበር ብመንነቱ ኣይኮነን ተፈንፊኑ በቲ ስድነት ዝተመልኦ ልሳኑ ተኾኒኑ ስለዚ እቲ ማዕቀብ ንህግደፍን ትካላት ህግደፍን ዝትንክፍምበር  ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ቤተሰቦም ዝልእኽዎ ገንዘብ ይኹን ንብረት ከምዘይምልከት ባይቶ ጸጥታ ዘስመረሉ……”

ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ዝኾነ ሃዋህው ድኣ ይሃሉምበር ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ግን ባህጊ ሕውነትን ከም ዘሎ ብምጥቃስ እቲ ባህጊ መሊኡ ዝሰምርን ዘላቂ ቅሳነት ዝነግስ ግን ወይ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ህውከት መገዲ ክቅይሮ እዚ እንተዘይኮይኑ ከኣ ህግደፍ ክእለ እንተኽኢሉ ጥራይ ከምዝኾነ ኣገንዚቡዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትቓለሱ ማሓዙት መርበብ ሓበሬታታት ሃገርና ሙሉእ ትሕዝቶ ናይ ቃለ-መሕተት  ክነስዕበልኩም ኢና።

------------------------------------------------/////--------------------------------

 

 

 

ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።