|
መልበርን-ኣውስትራልያ
ዕለት፡ 23 ለካቲት 2010
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ
ብስም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተዋህበ ዘይፍትሓዊ ብይን ብምቅዋም፡ ሎሚ ኣብ ከተማ
ካንቤራ ተኣኻኺቦም፡ ብነጎድጓዳዊ ድምጾም ኣሰንዮም ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብ ከተማ ካንቤራ
ዝመጸ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ኣቦታት: ኣዴታት መንእሰያትን ህጻናትን ዘሳተፈ ታሪኻዊ ሰልማዊ ሰልፊ በቲ
ነታ ከተማ ዘናወጸ ድምጾም ተሰንዮም ካብ ንግሆ ሰዓት 7፡30 ብቤት ጽሕፈት ፓርላማ ኣውስትራልያ
ዝጀመረ ሰልፊ ናብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትራልያ፡ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራ፡ ቤት
ጽሕፈት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ብምብጻሕ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ
ቀትሪ ድምጹ ከስምዕ ከምዝውዓለ ተፈሊጡ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ሰዓት ተጓዒዙ ዝመጸ’ኳ እንተኾነ፡ በቲ
ኣብ ልዕሊ’ታ ከም ብሌን ዓይኑ ዘፍቅራ ክብርቲ ሃገሩ ኤርትራ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ
ዘይፍትሓዊ ብይን ዝተቖጥዐ ህዝቢ ድኻም ዝብሃል ከየርኣየ ብቐጥታ ናብ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ’ዩ ኣትዩ።
ምሉእ መዓልቲ’ድማ ብዘይ ዕረፍቲ ናብ ኩሎም እቶም “ድምጽና - ድምጺ ሓቂ’ዩ፡ ይፍተውዎ ይጽልእዎ
ከነስምዖም ኣሎና” ዝበሎም ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ኣውስትራልያን ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራትን ብዓውታ
እናጨርሐ ድምጹ ከስምዕ ውዒሉ።
እቲ ካብ ንግሆ ሰዓት 7፡30፡ ባንዴራ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ
ግንባርን ኣምሪሑ ነቲ ዘይሕጋዊ ብይን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኹንንን፡ ዝተፈላለዩ ንሓድነት ህዝብን
መንግስቲ ኤርትራን ዘንጸባርቕ እዋናዊ ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፓርላማ ኣውስትራልያ
ዝትኣኻኸበ ህዝቢ፡ ኣቐዲሙ ብኣውሃሃዲት ሽማግለ ናይዚ ሰለማዊ ሰልፊ ትታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሰረት
ሚስተር ኬሪ ለዊስ (Mr. Kerry Lewis) ሓላፊ Protection Intelligence ፈደራላዊ
መንግስቲ ኣውስትራልያ ድሕሪ ምርካብ ነቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ ብስም ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ዘሕለፎ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ብይን ዝኹንንን፡ ንዑኡ ዘሰኒ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራውያንን ኣዕሩኽ
ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታት ዝኸተሙሉ ፐቲሽንን ኣረኪቦም።
ብተመሳሳሊ፡ ናብቲ ዓይኑ ዓሚቱ ነዚ ምኹን (ልሙስ) ውሳኔ ዘሕለፈ ቤት
ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምኻድ ህዝቢ፡
“ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድርብ መልክዒታትካ ደው ኣብል”
“ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ ብይንካ ንኹንን ”
“ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማዕቀብካ ውጉዝ’ዩ ”
“ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ደላይት ሰላምን ጽቡቕ ጉርብትናን’ያ”
ዝብሉን ካልኦት በበይኖም ዓይነት ጭርሖታትን እናጨርሑ፡ ኣውሃሃድቲ ሽማግለ
ናይቲ ሰልፊ፡ ነቲ ዓማጺ ብይን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብህዝቢ ኤርትራን ኩሉ ደላይ ሰላምን ውጉዝ ምዃኑ
ዘረድእ ደብዳቤን ንዑኡ ዘሰንይ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ፐቲሽንን ንዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት
ሃገራት ሚስተር ክሪስ ውድቶርፐ (Mr. Chris Woodthorpe) ኣረኪቦም ክሳብ ዝምለሱ ድሕሪ
ምጽናሕ፡ ጉዕዞኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣምሪሖም።
ብድሕሪ’ዚ ህዝቢ ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት እናጨረሐ ብእግሩ ተጓዒዙ ናብ ቤት
ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትራልያ እዩ ኣምሪሑ። ኣብዚ’ውን ብተመሳሳሊ ኣውሃሃድቲ ሽማግለ ናይቲ ሰልፊ
ምስ ዳይረክተር ወጻኢ ጉዳያት ኣውስትራልያ ሚስተር ጆን ሪቻርድሶን (Mr. Jon Richardson)
ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራብ ነቲ ብይን ዝነጽግ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ደብዳቤን ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ ክታማት
ዝሓዘ ሰነድን (ፐቲሽን) ኣረኪቡ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ኩለን ኣብ ከባቢና ዝርከባ ካብ ዓዲ እንግሊዝን
ካልኦትን ዝርከብዎም ናይ ቢቢሲ ማዕከናት ዜና ይከታተልኦ የቃልሐኦን ምህላወን ካብ ኣዳለውቲ ኮሚቴ
ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።
ኣቦታት፡ ኣዴታትን: ከምኡ’ውን ድሕሪ ወርሒ ዝሓርሳ ነፍሰ-ጾራትን እቶም
ብውቅብቲ ባንዴራ ጌና ብንኡሶም ፍቕሪ’ዛ ሓላል መሬት ዘጥረዩ ህጻናትን ዝርከብዎም፡ ነቲ ኣብ ከተማ
ካንቤራ ዝነበረ ሙቐት ብምጽዋር ድምጾም ከስምዑ ዝጓየዩ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ
ቐትሪ ናብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዮም ከይዶም። ኣብዚ፡ ሓላፊ ተጸዋዒ ጉዳያት
ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኣውስትራልያ ሚስተር ጆን ሪቻርድስ (Mr. Jon Richards) ምስ ኣወሃሃዲት
ሽማግለ ናይቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብምርኻብ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ደብዳቤን ፐቲሽንን ድሕሪ ምቕባል፡ ነቲ ጠለብ
ናይዚ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶ ከመሓላልፍ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ብድሕሪ’ዚ ህዝቢ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ተሪፍዎ ዝነበረ መደብ እናጨርሐ
ብምኻድ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ናይ’ታ ቀንዲ ሃንዳሲት ናይዚ እከይ ውሳኔ ዝኾነት ኣሜሪካ ብምብጻሕ፡
“ሕጂ’ውን ይርሃው ይጽበብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኤርትራ”
“ሎሚ’ውን ከምትማሊ ቅድም ቀዳድም ድሕነት ሃገር”
“ንዓማጽን ዘይፍትሓዊ ብይን፡ ብፍትሓዊ ቃልስና ነፍሽሎ”
ዝብሉን ካልእን ብዓውታ እናጨርሐ፡ ኣውሃሃድቲ ሽማግለ ናይቲ መኸተ፡ ነቲ
ኣቐዲሞም ብቖጸራ ንኽትራኸቦም ምስ ዝተመዘዘት ጸሓፊት ፖለቲካዊ ጉዳያት (Political Officer)
ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣሜሪካ ወ/ሮ ፎረስት ያንግ (Ms Forest Yang) ክሳብ ዝውድኡ
ብምጽናሕ ነቲ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዕማም ብዓወት ዛዚሞሞ።
|