ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኢዲኪ) ናይ ኽልቲእን (ውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ) ኣባልነት ተቕቢሉ

ዕለት 05/11/2009

ansaba.com (መንጭታት)
ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኢዲኪ)አብ ዘካያዶ አኼባኡ ፡ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነበር ክልቲኡ ውድባት አባልነት ከም ዝተቐበሎ መንጭታት ን(መርበብ ዓንሰባ.ኮም) ሓቢረን ። እዚ አኼባ'ዚ ነቲ ብመሰረት እተን አቐዲምን ተፈንጪለን ዝጸንሓ ውድባት ሃገራዊ ድሕነት ዘውጸኦኦ ውድባዊ ቅርጸንን መሪሕነተን ዝገልጽን ኣዋጅ ተቕቢሉ ፡ ነቲ ንኽልቲኡ ውድባት የሰሓሕብ ዝጸንሐ ንብረት ውድብ አብ ሞንጎ ክልቲእን  ክምቀል ተላቢዩ ። እቲ ኪዳን ንኣባልነት ክልቲኡ ውድባት መቐበሊኡ ምኽንያት፡ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኽልተ ክፋል (ሓደ 14 ዛአባላቱ ኮይኑ እቲ ካልኣይ 13)ስለዝኾነ፡ ማዕረ ብሙኻኑ'ዩ ይብል።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናብ ክልተ ውድብ ዝተፍንጨለሉ ኣብ ዝሓለፈ ውርሒ ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ላዕለዋይ መሩሕነቱ ኣኸባታት'ዩ። ኢትዮጵያ ብወገና ማእከላይ መርገጽ ሒዛ'ያ ጸኒሓ።

መንጭታት ዓንሰባ.ኮም ከም ዝሕብሩዎ፣ ናይቲ ኣብቲ ጉባኤ ዘይተሳትፈ ሸነኽ ውድባዊ መሪሕነቱ መሪጹ፣ ክልቲኡ ሸነኻት ኣስማት መሪሕነቱ ን (ኪዳን) ኣረኪቡ። ክልቲአን ውድባት'ውን (ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ) ተባሂለን ይጽዋዓ።

ዝርዝር መሪሕነት ከምዚ ዝስዕብ'ዩ

ዶክተር/ ማሕሙድ ነጋሽ አቦወንበር ማእከላይ ባይቶ (19 ዝኣባላቱ)

ፈጻሚት ሽማግለ:-

1. ዑስማን ሹም ኣቦወንበር ፈጻሚት ሽማግለ

2. ዓብደላ አደም ናይ ወጻኢ ዝምድና ሓላፈ

3. ዮሃንስ ኣስመላሽ ናይ ዜና ሓላፊ

4. ማሕሙድ ዑመር  ጸሓፊ

5. ነጸረኣብ ናይ ወተሃደራዊ ስታፍ

6.ሳልሕ ቃሮራ ናይ ውድባዊ ጉዳያት

7.ዑቅባይ ናይ ምምሕዳራውን ፋይናንስውን ጉዳያት ሓላፊ
 


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።