Saturday, 02 January 2010 15:56

መግለጺ ባይቶ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ብምኽንያት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ ናይ እገዳ ውሳነ።
ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ከተማታት ሲድኒ፡ መልበርን፡ ኣደላይድ፡ ፐርዝ ከምኡ’ውን ኦክላንድን ወሊንግቶንን፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ ዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብ1907/2009 ዘሕለፎ ዘይሕጋዊ ብይን፡ ዘይቅቡል ስጉምቲ ክብል ኮኒንዎ።


ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ታሕሳስ 1950 ዘሕለፍዎ ግጉይን ዓማጽን ውሳነ፡ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ንዕረፍቲ ቅድሚ ምውጽኦም፡ ብሃታ-ሃታ ድሕሪ 60 ዓመት፡ ኣብ ታሕሳስ 2009 ክደግምዎ ተራእዮም።
እዚ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሕቒቕ ክትብል ድሕሪ ምጽናሕ ዘጫጭሓቶ ናይ እገዳ ውሳኔ፡ ካባ ናይ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ለቢሳ ክትህውትተሉ ምፍታና፡ ኣብቲ ውድብ ዘለዋ ውልቀ-መላኽነት ካብ ምርኣይ ሓሊፉ፡ ንኤርትራን ንኤርትራውያንን ትርጉም ዘለዎ ውሳኔ ከምዘይኮነ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።
እቲ ዘሕዝን፡ ኣብ ጠርዚ ናይ’ቲ ካባ ተንጠልጢለን፡ ብኽራይ ኣብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቕመጣ ዘለዋ ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነናብ ዝወንዘፈተን ክላተማን ክምእዘዛን ምርኣይ’ዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሽምባይዶ ሎሚ ምስ’ናይ ኩሉ ክብረታቱን ተሞክሮታቱን፡ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመታት’ውን እንተኾነ፡ ንፍትሒ ካብ ዓመጽቲ ወይ’ውን ተደናገጽቲ ከይተጸበየ ብቕልጽሙ’ዩ ኣምጺእዋ። ኣምጺእዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕረ እናጥዓሞም፡ ነታ ብመሪር መስዋእቲ ዝተረኽበት ባንዴራና ወግሐ ጸብሐ ኣብ ኣፍደገ ህንጽኦም ክርእይዋ ተገዲዶም’ዮም።
ሎሚ ድሕሪ 18 ዓመታት ናጽነት ድኣ፡ እቲ ዓመጽ ንምንታይ ደጊስዎም? ጭብጥን መትሓዚ ዘይብሉን ጠቐነታት እናምጻእካ፡ ንኤርትራ ብሓለንጊ እገዳ ከተፈራርሕ ምፍታንከ ምስምንታይ ክቑጸር ይክኣል?
ኤርትራ፡ ጎኒ-ጎኒ ዕዮ ገዝኣ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እንተላይ ኣብታ ናይ ንዓመታት ጎቢጣ ብዓመጽ ዝገዝኣታ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ሰላምን ምርግጋእን ከተምጽእ፡ ናይ ጽቡቕ ታሪኽ ምስራሕ ዕረፍቲ ዘይሓተተት እንኮ ሃገር’ያ። ስለዝኾነ ድማ ከምቲ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ጉዳይ ኣሕዋት ሶማላውያን’ውን ሓቂ ዝሕመረቱ ሰላም ንኽመጽእ፡ ኤርትራ ታሪኻዊ ሓላፍነታ’ዩ። ኪኖ’ዚ ዝመጽእ ቁንቁኛ ዘረባታት ግን ንኤርትራ ባይታ ዘይብሉ - ውጹእ ጸሊም ሓሶት’ዩ።

ስለዚ፡ እቲ ንዓመታት ንኤርትራ ንምንብርካኽ ዝተጠጅአ በበይኑ ዓይነት ውዲታት ስለዘይሰለጠ፡ ዘየለ ነገር ጻሕቲርካ እገዳ ምእዋጅ ዘይቅቡልን ንጹግን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ከም ቀደም ንዝመጸ ይምጻእ ክምክት ድልው ምዃኑ ሎሚ ዝጠራጠር እንተሎ ጽባሕ ክርዕም’ዩ።
በዚ’ጋጣምዚ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣውስትራልያን ኒውዚላድን ንርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን፡ ነዚ ኣብ’ዛ፡ ዘይከም ካልኦት ክብርትን ሕፍርትን፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲዱ ዘሎ ብሓሶታት ናይ ዝተነድቀ ጠቐነታት ስጉምቲ፡ ዘይቅቡልን ንጹግን ምዃኑ እናገለጸ፡ ብኣንጻሩ እዚ ዘይምኽኑይ እገዳ ተላዒሉ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓጸረ እዋን መዕለቢ ክረክብን ሕጋዊ መሬትና ናጻ ክኸውንን ነ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለል ክኸውን ዝፍትን ዘሎ ስርዓት ወያነ ቀጻዒ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒትና ነቕርብ።
እንተ ንሕና ኤርትራውያን ግን ሎሚ’ውን ከም ቀደም፡ ኣብ ዝሃለና ሃሊና ኣብ ጎኒ’ቲ ጽፉፍን ሓቀኛን መንግስቲ ኤርትራ ኮይንና ንኹሉ እንተታት ቅሩባት ከምዘሎና ዘይዕጸፍ ቃልና’ዩ።
ሎሚ’ውን ከምትማሊ፡ ቅድም ቀዳድም ድሕነት ሃገር!

ዓወት ንሓፋሽ!
ባይቶ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን
ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን
27 ታሕሳስ 2009

 

መንጪ:

http://www.horna-tv.com/index.php?option=com_content&view=article&id=853:2010-01-02-15-05-38&catid=43:arabic-news&Itemid=61

  
 


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።