ኤርትራ ኣብ ናይ ወጻ ጋዜጣታት

 

ቍጽሪ 2

ክፍሊ ዜናን ባህልን

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

23 ጥሪ 2010

1. ካብተን ናይ ፖለቲካን ሲቪልን መሰላት የብለንን ዝብሃላ 47 ሃገራት፡ ተን ዝኸፍ ግህሰታት

ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመለን 9 ሃገራት፣ በርማ፡ ኳቶርያል ጊኒ፡ ኤርትራ፡ ሊብያ፡ ሰሜን ኮረያ፡

ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ቱርክመንስታንን ዝበክስታትንን የን ክብል ፍሪዶም ሃውስ ተባህለ ናይ ሰብኣዊ

መሰል ትካል ገሊጹ።

2. ፕረሲደንት ሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት፡ ጕዳይ

ቀብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ጋድ ክዝረበሉ ንከሎ፡ ሱዳን ናይ ስቕታ መርገጽ

ምሓዛ ከምዘይሐጎሶ ገሊጹ።

3. ኣብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ደው ክብል ኣለዎ

ዝብል ጠለብ ዝሓዘ ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕ ሰባት ዝፈረምሉ መዘክር፡ ንሰበ-ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ

ተዋሂቡ።

4. ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ከላይ ሳጹን ንህጹጽ ጕዳያት ዝተባህለ ትካሉ፡ ኣብ ዓመት 3 ሚልዮን

ዶላር ንኤርትራ ክህብ ከምዝጸንሐ ተገሊጹ።

5. ካብቶም ናብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዓመት ዝኣትዉ 1,800 ዝዀኑ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡

1200 ኤርትራውያን ምዃኖም ቢላል ኣሕመድ ሙሳ ተባህለ ምኽትል ኮሚሽነር ስደተኛታት

ገሊጹ።

6. ሊብያ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኤምባሲ

ኤርትራ ሓቢራ ትሰርሕ ከምዘላ፡ ሱዳን ትሪብዩን ዝተባህለ ጋዜጣ ኣቃሊ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ

ኣብ ስደተኛታት ዝተኣስስርሉ ኣብያተ-ሰርቲ ኣትዮም ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ

ቅጥታት ክመል የገድድዎም ምንጪ ሓቢሩ። ቶም ኣይንመልስን ዝብል ተቓውሞታት

ዝገበሩ ስደተኛታት ድማ፡ ንማህራምትን ዓዛብን ይቃል ምህላዎም ጋዜጣ ወሲኹ ሓቢሩ።

7. ናይ ጋዜጠኛታት ኣህጕራዊ ፈደረሽን (International Federation of Journalists) ዝተባህለ

ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ተን ኣብ ጋዜጠኛታት ዝኸፍ ግፍ ዝፍጽማ ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡

ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ቱኒዝያ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎን ጋምብያን የን ሉ። ከም ውን፡

ኣብ ኤርትራ 9 ጋዜጠኛታት ከምተቐትሉን 19 ከኣ ኣብ ሰርቲ ከምዝርከቡን ሓቢሩ።

ናይ ጋዜጣ ናጽነት ንምርግጋጽ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝያዳ ጸቕጥታት ክገብራ

ድማ ጸዊ

8. ሽወደን፡ ኣብ ዓመት ካብ ትቕበሎም 1,700 ክሳብ 1900 ዝዀኑ ስደተኛታት፡

ንኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ቀዳምነት ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት

ራቓውያን ስደተኛታት ቀዳምነት ክትህብ ጸኒሓ።

 


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።