|
ክፍሊ
ዜናን
ባህልን
ሰልፊ
ዲሞክራሲ
ህዝቢ
ኤርትራ
27
ጥሪ
2010
ብ17
ጥሪ
2010፡
ስርዓት
ኢሳያስ፡
ብርክት
ዝበሉ
ተቓማጦ
ናይ’ዘን
ኣስማተን
ኣብ
ታሕቲ
ተዘርዚሩ
ዘሎ
ዓድታት
ኣኪቡ፡
ጋር
ነብሲ
ናይ’ቲ
ቅድሚ
2
ዓመት፡
ኣብ
መንጎ
ከረንን
ዓርየታይን
ኣውቶቡስ
እናዘወረ
እንከሎ
ብመንነቶም
ዘይተፈልጡ
ሰባት
ዝተቐትለ
ኣውቲስታ
ክኸፍሉ
ጠሊብዎም።
ኣብ’ቲ
ግዜ’ቲ
ብጥርጣረ
5
ሰባት
ኣሲሩ
ምንባሩ
ውን
ኣብ
መጽሔት
ድምጺ
ህዝቢ
ተሓቢሩ
ምንባሩ
ዝዝከር
ኢዩ።
ሓደ
ካብኦም
ሱሌማን
ዑመር
ኣልመዳይ፡
ወዲ
ገዲም
ተጋዳላይ
ተሓኤ
ዝነበረ
ዓብደላ
ኣልመዳይ
ኢዩ።
ኣብ
ርእስ’ዚ፡
ስርዓት
ኢሳያስ፡
ሱሌማን
ዑመር
ኣልመዳይን
4
ብጾትን
ኣብ’ዚ
ቀረባ
እዋን
ኣብ
ቅድሚ’ቲ
ህዝቢ
ብጥይት
ክርሸኑ
ከምዝተፈርዱ
ነተን
ተኣኪበን
ዝነበራ
ዓድታት
ኣፍሊጥወን
ምህላዎም
ምንጪታት
ሰልፊ
ዲሞክራሲ
ህዝቢ
ኤርትራ
ካብ’ቲ
ከባቢ
ሓቢሮም።
እተን
ኣብ’ቲ
ኣኼባ
ዝተሳተፋ
ዓድታት
ድማ፡
ደብር
ኣቐል፡
ሰብ
ዓድ
ግርድ፡
ቃር
ዖበል፡
ኣንመቕዓት፡
ፈርሕ፡
ፈንተክ፡
ፍልፍሊ፡
ኣርቂ
ሙራ
ኢየን።
|