ኣኼባ ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጨንፈር ጀርመን ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

2/3/2010

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ዝነብሩ ኣባላት ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብዕለት 27/02/2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብምርኻብ ኩነታቶም ገምጊሞምን መጻኢ መደባቶም ሓንጺጾምን፡፡ ``ኣብ ጉዳይካ ተዓዛቢ ኮንካ ጥራይ ምርኣይ ስንፍና ኢዩ`` ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዘካየድዎ ድሙቕ ኣኼባ ሃገርን ህዝብን ካብ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣደራዕ ንምድሓን ምስ ኩሎም ነዚ ዕላማ እዚ ብቅንዕና ምስ ዝቃለሱ ዘለዉ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ-ዜጋታትን ተዋሃሂድካ ዝስርሓሉ እዋን ከምዝኾነ እቲ ጨንፈር ኣስሚሩሉ።።

 

ዝኽሪ ንሰማእታት

ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ጨንፈር ጀርመን፡፡


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።