ርክብ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ፓልቶክ

 

 

16/03/2010

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ማራሕቲ ናይ ውድባት (ኣቶ ኣሕመደ መሓመድ ናስር፣ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር፣ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድ፣ ኣቶ ሓሰን ዓሊ ኣሰድ ) ብምእንጋድ ዝተኻየድ ዘተ ፓልቶክ: ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣውንታዊ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ገለ ካብ’ቲ ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ምንጽጻል ሃዋሁ ብመጠኑ ተኣሊዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ምዕዋት መደብ ናይ’ታ ምሸት’ቲኣ ዝተፈላለየ ውድባውን ፖለቲካውን ዝምባሌ ዘለዎም ብዙሓት ሃገራውያን ዘበርከትዎ ግደ ከነመስግን ንፈቱ። እቲ ገዛ ን250 ተሳተፍቲ ጥራሕ ስለ ዝኣክልን፡ ብዙሓት ክሳተፉ ከኣ ስለ ዘጸገመ፡ ኣካየድቲ መደብ፡ ተወሳኺ ገዛ ብምኽፋት ኩሉ ግዱስ ከም ዝከታተል ተገበረ።

 

ሕጂ’ውን መቐጸልታ ናይ’ቲ ዝተኻየደ ልዝብ፡ ”ጭቆና ስርዓት ኢሳያስ ብሓባር ንመክት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ምስ’ዞም ዝስዕቡ ማራሕቲ ኤ.ዲ.ኪ. ኣገዳሲ ልዝብ ኣብ ፓልቶክ (Eritrea For All Eritreans Room) ከነካይድ ምዃንና ንሕብር፡-

1.        ኣቶ ዓብደላ ማሕሙድ      ኣቦ መንበር ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ዲ.ኪ.

2.      ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ     ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ.

 

ትሕዝቶ ናይ ክልቲኡ መደባት ብሰፊሑ ከነውጽኦ ምዃንና ድማ ንሕብር።

 

ዕለት፡              ቀዳም 20/03/2010

ግዜ፡               ካብ ሰዓት 20.00 ብኣቍጻጽራ ሎንዶን

ገዛ (ፓልቶክ)፡     Eritrea For All Eritreans Room www.paltalk.com

 


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።