|
ግዜያዊ
ኣካያዲት
ሽማግለ
04
ግንቦት
2010
ካብ
ዝሓለፈ
ዓሰርተ
ዓመታት
ኣትሒዙ
፤
ኣብ
ወጻኢ
ዝቕመጡ
ኤርትራውያን
ንኹሉ
ዝጥርንፍ
ሃገራዊ
ዋዕላ
ንኽግበር
ክጽውዑን
ክጠልቡን
ጸኒሖም
እዮም።
ጉዳይ
ናይ
ሃገራዊ
ዋዕላ'ውን
ኣብ
ብዙሓት
ኣኼባታትን
ጉባኤታትን
ብቐዳምነት
ከም
ኣጀንዳ
ተታሒዙ
ብፍላይ
ከኣ
ኣብ
1999
ኣብ
ሳንድያጎ፤
ቀጺሉ
ኣብ
ስያትልን፤
ዋሽንግቶን
ዲሲን፤
ቶረንቶን
፤
ፍራንክፎርትን፡
ካስልን
ተዘሪብሉ
እዩ።
ከም
ውጽኢት
ናይ'ዚ
ኩሉ
ድኻምን
ጻዕርን
ኣኼባታት
እውን
ኣብ
መጨረሻ
ብ
2003
ብ"ካስል
ማኒፈስቶ"
ዝፍለጥ
22
ዝተፈላለዩ
ውድባትን
በርጌሳውያን
ማሕበራትን
ዓበይቲ
ዓድን
ዝኸተምሉ
ከም
ሰነድ
ከወጽእ
በቒዑ
እዩ።
እዚ
ሰነድ'ዚ
ከም
እንደገና
ኣብ
2004
ኣብ
ናይ
ካስል
ፈስቲቫል
በታ
ኣብቲ
ግዜ'ቲ
ናይ
ዝወጸት
ናይ
ርክብ
ሽማግለ
ተዳህሲሱ
ንሃገራዊ
ዋዕላ
ከብጽሕ
ዝኽእል
ስእላዊ-ቕዲ
ወጺእዎ
እዩ።
ሓደ
ካብ'ቲ
ቀንዲ
ዕላማ
እታ
ሽማግለ
ከኣ
ተሳትፎ
ህዝቢ
ኣብ
ክመጽእ
ዝክእል
ኣኼባታት
ወይ
ዋዕላታት
ካብ
ዝተፈላለዩ
ክፋላት
ሕብረተሰብና
ምርግጋጽ
እዩ።
እዛ
ብዶክቶር
ተስፋጽዮን
መድሃኔን፡
ብኣቶ
እስማዒል
ዓሊ
ኣሕመድን
እትምራሕ
ሽማግለ’ዚኣ
ከኣ
ነቲ
ብካስል
ማኒፌስቶ
ዝፍለጥ
ሰነድ
እንደገና
ርእያ
58
ዝገጹ
ብ
"ሃገራዊ
ዋዕላ
ንሃገራዊ
ሓድነትን
ድሕነትን"
ዝብል
ሰነድ
ከተወጽእ
በቒዓ
እያ።
እዚ
ሰነድ
እዚ
ከኣ
ንህዝቢ
ብዝተፈላለዩ
መራኸቢ
ብዙሃን
እንተላይ
ብመንገዲ
ኢንተርነት
ክወጽእ
ኔርዎ።
እዚ
ሰነድ
እዚ
ብቐንዱ
ስእላዊ-ቕዲ
(Road Map)
ሃገራዊ
ዋዕላ
ዝገልጽ
እዩ።
እዚ
ሰነድ'ዚ
ኩለን
ፖለቲካውያን
ውድባት
ብሓደ
ድምጺ
ከም
መትከል
ተቐቢለን
ከተግብርኦ
ብዘይምኻኣለን
ግን
እቲ
ዝድለ
ናህሪ
ረኺቡ
ናብ
ህዝቢ
ዘሊቑ
ግብራዊ
ክኸውን
ኣይበቕዐን።
ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ
ኪዳን
(EDA)
ነዚ
ሰነድ'ዚ
ናብ
ህዝቢ
ዘርጊሑ
ተሳትፎ
ህዝቢ
ከዕዝዝ
ብዙሕ
ዕድላት
ኔርዎ
ከብቕዕ
ኣብ
ናይ
ውሽጡ
ጸገማትን
ምብልላዕን
ፖለቲካዊ
ሃልክን
ስለዘድሃበ
ነዚ
ህዝባዊ
ዋዕላ
ዝብሃል
ንጎድኒ
ጎስዩ
ኣብ
ናይ
ኣውዲቕካ
ምሕላፍ
ውድድር
ጥራሕ
ተጸሚዱ
ጸኒሑ
እዩ።
ስለ'ዚ
እቲ
ውሽጣዊ
ፓለቲካዊ
ሃልኪ
ኪዳን
ነዚ
ሰነድ'ዚ
ከይወጽእ
ዕንቕፋት
ኮይኑ
ጸኒሑን
ኣሎን።
ከም
ውጽኢቱ
ከኣ
ናብ
ህዝቢ
ከይበጽሕ
ኣብ
ኣርካይቫት
ተኸዚኑ
ተሪፉ’ሎ።
ኣብዚ
ክምስገን
ዝግብኦ
ነገር
እንተሃልዩ፡
ግን
ቶጎሩባ
ዶት
ኦርግ
ነዝን
ከምኡ
ዝመሰሉ
ኣገደስቲ
ጽሑፋትን
ብቐሊሉ
ክርአ
ኣብ
ዝኽእል
የማናይ
ጎድኒ
ዌብሳይቶም
ለጢፎም
ነቲ
ጉዳይ
መንፍሱ
ነባሪ
ኮይኑ
ከዝቕጽል
ምግባሮም
እዩ።
ኣብ
ናይ
ዘተ
መኣዲታት
ኣገደስቲ
ዛዕባታት
ከም
እኒ
ሃገራዊ
ዋዕላ
ክቕልቀል
ክጅምር
ከሎ
ኣብ
ክንዲ
ንዕኡ
ዘሃብትም
ተውሳኺ
ኣወንታዊ
ክትዓት
ዝቕጽል፡
ብመንጽሩ
እቲ
መራኸቢ
ብዙሃን
ንሰባትን
ውድባትን
ምጽልላምን
ኣስማት
ምጥፋእን
ይጅመር’ሞ
ነቶም
ኣበገስቲ
ሃናጺ
ነቀፌታ
ዘቕረቡ
ውልቀሰባትን
ባእታታትን
እውን
ክሳብ
ምትንሳእ
ዝስእኑ
ከምዝቖስሉ
ይግበር
ኣሎ።
እዚ
ከኣ
ኩላተን
ውልቃውያን
ውድባት
ኮነ
ምንቕስቃሳት
ኣብ
ኤዲኪ
ዘለዋ
ካብ'ዚ
ዓይነት
ፓለቲካዊ
ባህሊ'ዚ
ኢደን
ዝሓጽባሉ
ነገር
ኣይኮነን።
ኩለን
በዚ
ዓይነት
ፓለቲካዊ
ባህል'ዚ
ልኹፋት
እየን።
እዚን
ከምዚን
ዝኣምሰለን
ጉዳያት
ከኣ’ዩ
ንኤዲኪ
ምትእምማን
ኣጥፊኡ
ኣቛሲልዎ
ዘሎን
ዝጸንሐን።
ኣተሃላልዋ
ኪዳን
ናትና
ናይ
ኤርትራውያን
ፓለቲካዊ
ባህሊ
ዘንጸባርቕ
ኮይኑ፡
ባህሊ
ተነጻጸግን
ዘይተጻዋርነትን
እዩ።
እዚ
ባህሊ
እዚ
ናይ
ካልኦት
ሓሳባትን
ርእይቶን
ዘየኽብር
ናተይ
ወይ
ናትና
እዩ
እቲ
እንኮ
ዝበለጸን
ዝቐንዐን
ዝሓሸን
ዝሰረቱ
ባህሊ
ኮይኑ
ፍልልያት
ኣጉሊሑ
ብምቅላዕ
ብጸላእትና
ብቀሊሉ
ተመዝመዝቲ
ከም
እንከውን
ክገብር
ዝኽእል
ዘሎ።
ፓለቲካዊ
ውድበይ
ወይ
ምንቅስቓስና
እቲ
ዝሓሸን
ዝበለጸን
እዩ
ናይ
ካልኦት
ንኤርትራ
ዝጠቕማ
ኣይኮነን
ዝብል
ኣተሓሳስባ
ካብ
ውድብካን
ምንቅስቓስካን
ዘይመጸ
ሓሳብ
ከምዘይቕቡል
ወይ
ኩሉ
ብመንጽር
ውድብካ
ጥራሕ
ስለትጥምቶ
ነቲ
ኤዲኪ
ዝብሃል
ዝተፈላለያ
ውድባት
ዝሓቖፈ
ጽላል
ከም
ካልኣዊ
ወይ
ሽማዊ
ጥራሕ
ትቕበሎ
ማለት
እዩ።
እዚ
ስነሓሳብ
እዚ
ከኣ
ነቲ
ኪዳን
ዝብሃል
ጽላል
ስማዊ
ይገብሮ
ማለት
እዩ።
ኪዳን
ሽሕኳ
ብዝተሓተ
ተጠርኒፉ
ይሃሉ
ክኽበርን
ክሕብሓብን
ክዓብን
ይግባእ።
ኪዳን
መንነት
ብዙሕነትና
ኣብ
ሓድነትና
ዝገልጽ
እዩ።
ኪዳን
ቕድሚ
ዛዕባታት
ናብ
ህዝቢ
ምቕራቡ፡
ዘለዉ
ሓሳባት
ኣብ
ውሽጡ
ከብስሎምን
ብዕምቖት
ክዝትየሎምን
ይግባእ።
ድሕሪ'ዚ
ከኣ
ናብ
ህዝቢ
ቐሪቡ
ሓባራዊ
ኣጀንድኡ
የለሊ።
ውልቃውያን
ውድባት
ኪዳን
በቲ
ዝተሰማማዓሉ
ቻርተር
ተማእዚዘንን
ተቀይደንን
ክከዳ
ኣለወን።
ኤዲኪ
ብሓደ
ድምጺ
ክዛረብ
ክበቕዕ
ኣለዎ።
ገለ
ውልቃውያን
ውድባት
ብውልቀ
መራሕተን
ላዕለዎት
ካድራተንን
ዉሕሉልን
ዲፕሎማስያውን
ኣቀራርባ
እናርኣያ
ከለዋ፡
ብኣባላተን
ግን
ከምቲ
ኣብ
ህዝባዊ
ግንባር
ዝዝውተር
ዝነበረ
ግጉይ
ሜላ
ቁጡዕ
ዝኾነ
ተቓውሞን
ነድርን
ይርአ’ሞ
“ዘይ
ውልቀሰብ’ዩ
ዝገብሮ
ዘሎ”
እናተባህለ
ብምስምስ
ንኤዲኪ
ዘጸልምን
ዘዳኽምን
ዘመተታት
ክገብራ
ይረኣያ
እየን።
ኣብ
ከምዚ
ዝኣመሰለ
ህሞት
ኣባልነት
ብዘይ
ተሓታትነት
ንውድብ
ስለዝሃሲ
ውድባት
ደጊመን
ክሓስባሉ
ዝግባእ
ኩነት
እዩ።
ኤርትራዊ
ምንቅስቓስ
ንደሞክራስያዊ
ምሕደራ
(ኤምደም)
ብቓልዕ
ንኤዲኪ
ኣብ'ዚ
ግዜ'ዚ
ድኹምን
ዘየድምዕን
ኢሉ
ገሊጽዎ’ዩ።
እዚ
ክብሃል
ከሎ
ግን
ንሕና
እውን
ኣብ
ውሽጣዊ
ጸገማትና
ምእላይ
ኣዚና
ከምዘይንዅርዕ
ብምእማን
ኢዩ።
ኣብ
ብዙሕነትን
ዲሞክራስያዊ
ኣሰራርሓን
ኣድማዕነት
(Effectiveness)
ከምዝጎድል
ንርዳእ
ኢና።
ኪዳን
ብዙሕነቱ
ዓቂቡ
ሓድነቱ
ኣደልዲሉ
መደባቱን
ቀዳምነትን
ሰሪዑ
ብቑዓት
መራሕቲ
መዲቡ
ስምምዓቱ
ኣነጺሩ
ተኸባቢሩ
ክኸይድ
እንተበቒዑ
ከዕውተና
ዝክእል
ተበጉሶ
እዩ።
ሓባእ
ቑስሉ'ስ
ሓባእ
ፈውሱ
ከምዝበሃል
ኪዳን
ጸገማቱ
ኣለልዩ
ተኸባቢሩ
ንለውጢ
ድልው
ኮይኑ
ክስጉም
ተስፋ
ንገብር።
ተሳትፎ
ኣብ
ወጻኢ
ዝቕመጥ
ኤርትራዊ
ኣብ
ጉዳይ
ዋዕላ
ብበርጌሳውያንን
ማሕበራትን
ካልእ
ቕርጽን
ምስ
ዝረጋገጽ
ንኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ
ኪዳን
እቲ
ዝድለ
ሓይልን
ሞራላዊ
ትርንዐን
ፖለቲካዊ
ፍናንን
ህዝብና
ኣረጋጊጹ
ነቲ
ዘይሕጋውነት
ህግዲፍ
ከዳኽሞን
ከልግሶን
ክኽእል
እዩ።
ገለ
ተቃለስቲ
ብጾት
ነዚ
ክካየድ
ተመዲቡ
ዘሎ
ናይ
ሓምለ
2010
ዋዕላ
ደንጉይና
ክብሉ
ከለዉ፡
ገለ
እውን
ክናዋሕ
ኣለዎ፡
ገለ
ከኣ
ኣብ
ዘለዎ
ይኹን
ዝብል
ዝተፈላለየ
ስነሞጎት
ሒዞም
ይቐርቡ
ምህላዎም
ካብ
ሓልዮትን
ጽቡቕ
ድሌትን
ዝብገስ
ምዃኑ
ኣብ
ግምት
ብምእታው
ክኽበርን
ናይ
ኩሉ
ርእይቶ
ብደቒቕ
ከነእንግዶን
ከምዘለና
ንርዳእ።
ምስ
ዘሰክፍን
ዘሰንብድን
ህሉው
ኩነታት
ዓድና
ኣብ
ግምት
ኣእቲኻ
ግን
ዘዛኒ
ግዜ
ኣለና
ኢልና
ክንምጉት
ከጸግመና
ስለዝኮነ
ጉዳይ
ዋዕላ
ወዓል
ሕደር
ዘየድልዮ
ህጹጽ
ጉዳይ
እዩ።
ንልዕሊ
ኣስታት
10
ዓመታት
ብዛዕባ
ዋዕላ
ምዝራብን
ኣብ
ነንሕድሕድካ
ምጽላምን
ዝጠፍኣ
ግዜ
እቲ
ዝድለ
ዋሕስ
ዓወትን
መርሆ
ህዝብናን
ከምጽኣልና
ኣይከኣለን
ዘሎ።
እዚ
ዋዕላ
እዚ
ስሙ
እንታይ
ተባሂሉ
ክጽዋዕ’ዩ
ብዘየገድስ
ማለት
ጠቕላሊ
ኣኼባ፤
ጉባኤ
፤
ኣሰምብልያ
ባይቶ
ወይስ
መጅልስ
ንበሎ
ብዘየገድስ
እቲ
ሓባራዊ
ኣራኣእያና
ጠመተናን
ከም
ጸጋ
ተቐቢልናን
ኣስተማቒርናን
ኣመስጊናን
ፍልልያትና
ከኣ
ብጉቡእ
ክንኣልዮምን
ክንፈትሖምን
ከነቀራርቦምን
ሃዲእና
ኣብ
ሓደ
ጣውላ
ኮፍ
ምባል
ከድልየና
እዩ።
እዚ
ከኣ
እዩ
እቲ
ህጹጽ
ጉዳይ
ይጽንሓለይ
ዘይብሃሎ።
ኤርትራ
ከም
ሃገር
ኣብ
ዓቢ
ሓደጋ
እያ
ተንጠልጢላ
ዘላ፤
ህዝባ'ውን
ኣብ
ናይ
ፖለቲካን
ህዝባውን
ቑጠባውን
ቕልውላው
ይሕመስ
ኣሎ።
እቲ
ናይ
ሕቡራት
መንግስታት
ዓለም
ቁጠባዊ
እገዳ/ማዕቐብ
ኣብ
ስርዓት
ህግዲፍ
ወሪዱ
ዘሎን
ኣካይዳ
ህግዲፍ
ኣብ
ግምት
ብምእታው
ዕንወት
ጃንዳ
ህግዲፍ
ርሑቕ
ስለዘይኮነ
ዕንወትን
ሕንፍሽፍሽን
ናይ
ስልጣን
ባዶነትን
ኣብ
ኤርትራ
ከይተከስተ
ከሎ
ምጉያይ
የድሊ።
ሽሕኳ
ከም
ኤርትራውያን
ኣብ
ፍሉይ
ታሪኽናን
ናይ
ሃይማኖት
ተጻዋርነትና
ሓቢርካ
ናይ
ምንባር
ስልጡን
ባህልናን
ንኾርዕ
እንተኾንና፡
መግዛእቲን
ባዕድን
ምልኪን
ዘምጸኦ
ኣብ
ሃገርና:
ደቂ
ሃገር
ፈላሊኻ
ግዛእ
ሜላን
ሓድነት
ህዝብናን
ኤርትራውነት
ሃገራውነት
ኣብ
ዝተሓተ
ባይታ
ኣውዲቕዎ
ከምዘሎ
ንስሕቶ
ኣይመስለናን።
እቲ
እንምክሓሉ
ሓድነትና
ከኣ
በዚ
ኩነታት
እዚ
ሃገርና
እንተቐጺላ
ካብ
ውግእ
ሕድሕድን
ሕንፍሽፍሽን
ከድሕነና
ዝኽእል
ዋሕስ
ዋላ
ሓደ
የለን።
እዚ
ኣብ
ሃገርና
ዘሎ
መግዛእቲ
ኣብ
ታሪኽ
ኤርትራውያን
ተራእዩ
ዘይፈልጥ
መግዛእቲ
ወይ
ረግጺ
እዩ።
ከም'ኡውን
ብዙሕ
ተንኮላትን
ናይ
ፈላሊኻ
ግዛእ
ሜላን
ዘሪኡ
ስለ
ዘሎ
ንሃገርና
ኤርትራ
ኣብ
ኵናት
ሓድሕድ
ክነቝታ
ተኽእሎ
ኣሎ።
እዚ
ንኸይከውን
ብወገና
ፍታሕ
እንብሎ
ከም'ዚ
ዝስዕብ’ዩ።
1.
እዛ
ብኤዲኪን
በርጌሳውያን
ማሕበራትን
ዝቖመት
ኣሰናዳዊት
ሽማግለ
ከተብጸሓና
ተደልዩ
ዘሎ
ናይ
ሓምለ
2010
ዋዕላ፡
ብዙሕ
ጉድለታትን
ሕጽረታትን
ከምዘለዎ
ርዱእን
ዘየማትእን
እዩ።
እቲ
ቀንዲ
ሕጽረት
ግዜ
ንምድላው
እቲ
ዋዕላን
ንምስታፉን
እዩ
ተባሂሉ
ብሓያሎ
ፖለቲካውያን
ውድባትን
በርጌሳውያን
ማሕበራትን
ዝቐርብ
ሰነመጎት
ኣሎ።
ኩሎም
እቶም
ዝቐርቡ
ዘለዉ
ጥርዓናትን
ምኽንያታትን
ስነሞጕትን
ብግቡእን
ብሕጋዊ
መንገድን
ክኽበሩን
ክርኣዩን
ክእለዩን
ይግባእ።
2.
ኩለን
እተን
ኣብ
ኤዲኪ
ዘለዋ
ውልቃውያን
ውድባትን
ምንቅስቃሳትን
ኣብ
መንጎኣን
ዝኣተውኦ
ቻርተራዊ
ውዕል
ከኽብርኦን
ብግዝኣተ
ሕጊን
ዲሞክራስን
ክግዝኣን
ንኣባላተንን
መሰረታተንን
ዲሞክራስን
ግዝኣተ
ሕግን
ከምዝሰርሕ
ከርእያን
ኣብነት
ክኾናን
ኣለወን
ኢልና
ንኣምንን
ንጽውዕን።
ሎሚ
እኹል
ድምጺ
የብለይን
ኢልካ
ውዕል
ክንዲ
ምጥሓስን
ባይቶ
ምሕዳግን
ተቐይድካ
ዘድሊ
ድምጺ
ንጽባሕ
ንምውህላል
ምቕላስ
እዩ
እቲ
መስርሕ
ዲሞክራሲ
ዝጠልቦ።
3.
ኣኼባ
ወይ
ጉባኤ
ረጊጽካ
ብምውጻእ
መልእኽትካ
ንምትሕልላፍ
ዝግበር
ሜላ
ከም
ልምዲ
እንተተደጋጊሙ
ናብ
ባህሊ
ስለዝቕየር
ንሓዋሩ
ነታ
ውድብ
ይሃስያ፡
ነቲ
ኪዳን
የላሕልሖ
ከም'ኡን
ነታ
ሃገር
ተስፋኣ
የጸልምት።
ስለ'ዚ
ኣብ
መንጎ
ኣባላት
ኤዲኪ
ዝተገብረ
ውዕላትን
ወይ
ኪዳን፡
ክኽበርን
ክትግበርን
ኣለዎ።
4.
ሰፊሕ
ህዝባዊ
ተሳትፎ
ንምርግጋጽ
ኩለን
ፖለቲካውያን
ውድባትን
በርጌሳውይን
ማሕበራትን
ዘድሊ
ጸዓት
ብምፍናው
ተንቀሳቂሰን
ሕጽረት
ተሳተፍቲ
ክውግዳን
ክብድሃን
ብፍላይ
ከኣ
ህላወ
ደቀኣንስትዮ
ኣብታ
ኣሰናዳኢት
ሽማግለ
ፍርቂ
ወይውን
ሓደ
ሲሶ
ንምግባር
ክፍትና
ኣለወን።
5.
እዚ
ዋዕላ’ዚ
እቲ
ዝዓበየ
ስትራተጂካዊ
ጉባኤ
ስለዝኾነ፡
እቶም
ኣብ'ዚ
ዋዕላ’ዚ
ዝሳተፉ
ውልቀሰባት
ብግቡእ
ናቶም
ድሕረ
ባይታ
ክጽናዕን
ክልለን
ከም'ኡውን
ዘድሊ
ምቅርራባት
ጌርካ
ጸጥታ
ከተረጋግጽ
ይግባእ።
ዝኾነ
ባእታ
ኣብ
ኤድኪ
ዝተፈልየ
ወይ
ኣሉታዊ
ኣጠማምታ
ስለዘለዎ
ካብቲ
ዋዕላ
ክውገድ
የብሉን።
እንተኾነ
ኩሉም
ውልቀሰባትን
ውድባትን
ምስ
ጉጅለ
ህግዲፍ
ዝደናገጻን
ሕጋዊ'ዩ
መንግስቲ’ዩ
ኢለን
ዝኣመናን
ዝምጕታን
ምስኡ
ክዕረቓ
ዝደልያን
ብውሕዱ
ኣብ'ዚ
ደረጃ
እዚ
ኣብ'ዚ
ዋዕላ
ክኣትዋ
የብለንን።
6.
ዝተፈላለየ
ኣረኣእያን
እምነትን
ኣጠማምታን
ኣብቲ
ናይ
ሓባር
ጽቡቕ
ንኽውዕል
ብግቡእ
ምእላዩ
የድሊ።
እታ
ኣሰናዳኢት
ሽማግለ
ደቂ
ኣንስትዮን
መንእሰያትን
ንኽሳተፉ
ጽዑቕ
ዘመተን
ምልዕዓልን
ከተካይድ
የድሊ።
እዚ
ከኣ
ሚዛን
ናይ
ጾታን፡
ዕድመን
ብምሕላው
ሕብረተሰብና
ዝውክል
ውዕሎ
ንክኸውን
ይሕግዝ።
7.
ኩሎም
ሞያውያን
ማሕበራትን፤
ናይ
ሕጊ
ምሁራት፤
ጋዜጠኛታት፤
ሓካይምን
ካልኦት
ፈላጣትን
በብናቶም
ሞያ
ከበርክቱ
ክዕደሙ
ኣለዎም።
8.
ህዝቢ
ኤርትራ
እውን
ነዚ
ውራይ'ዚ
ብዘይተዘናብዐ
መልክዑ
ምእንቲ
ክከታተሎ
ክበቕዕ
ነጻ
ዝኾና
ናይ
ዜና
ማዕከናት
ክቐርባ
ኣለወን።
እዚ
ናይ
ዜና
ስርሓት
ንኪዳንን
ንናቶም
ተደናገጽትን
ጥራሕ
ክግደፍ
ወይ
ክብሓት
የብሉን።
ኤርትራዊ
ምንቅስቓስ
ንደሞክራስያዊ
ምሕደራ፡
ንሕና
ኤርትራውያን
ነቲ
ዘሎ
ዓቕሚ
ኤርትራዊ
ሒዝካ
በቲ
ዘሎ
ግዜን፤
ብልሕን፤
ብቕዓትን
፤
ህዝባዊ
ደገፍን
ብግቡእ
ተጠቒምናን
ተዓጻጺፍናን
ነቲ
ዝጥለብ
ባህጊ
ህዝብና
ዝኾነ
ዋዕላ
ኣብ
ግዜኡ
ክዉን
ክንገብሮን
ከነዕውቶን
ንኽእል
ኢና
ኢልና
ንኣምን።
·
ስለ'ዚ
ህዝብና
ምስ
ደንበ
ተቛውሞ
ኢድን
ጓንትን
ኮይኑ
ነዚ
ሃገራዊ
ዘተ
ወይ
ዕርቂ
ሕጂ
ክጅምሮ
ንጽውዕ።
·
ንኹሎም
ፓለቲካውያን
ውድባትን
በርጌሳውያን
ማሕበራትን
መራሕተንን
ከኣ
ካብ
ሕሉፍ
ጌጋታቶም
ተማሂሮሞ
ንኹሉ
ወርቃዊ
ዕድላት
ከየባኽኑ
ንእሽቱ
ፍልልያቶም
ገዲፎም
ሕጂ
ብዓቢ
ሓላፍነት
ክዓዩ
ንጠልብ።
·
ንኹለን
ፈተውቲ
ሰላም
ሃገራትን
ዓበይቲ
ናይ
ከባቢናን
ናይ
ዓለም
ውድባትን
ከኣ
ነዚ
ዘይሕለል
ቅዱስ
ጻዕሪ
ኤርትራውያን
መጻኢና
ንቕይሰሉ
ዋዕላ
ክድግፍኦ
ንጽውዕ።
·
ሃገርና
ነጻ
ንምግባር
ዝሓለፈ
መስዋእትን
ቃንዛን
ነዊሕ
እዩ
ኔሩ’ሞ
ሕጂ
ከኣ
ኩሎም
ኤርትራውያን
ቀሲኖም
ዝሓድሩላ
ሓራ
ኤርትራ
ንኸነረጋግጽ
ንበገስ።
ዘለኣለማዊ
ዝኽሪ
ንሰማእታት
ኤርትራ
ኣምላኽ
ንሃገረ
ኤርትራን
ህዝባን
ይባርኽ
ግዜያዊ
ኣካያዲት
ሽማግለ
ሚያዝያ
25፤
2010
Email to:
Emdg2008@gmail.com
|