መሓመድ ጣሃ ተወከል ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገራዊ ዋዕላ ክድግፋ ይምሕጸን

ዓንሰባ.ኮም

ሰነ 15, 2010

ሓላፊ መደበር ወሽመጥ ንዜናን ኣስተምህሮን ኣቶ/ መሓመድ ጣሃ ተወከል ንፖለቲካዊ ሓይልታት ፍልልያትተን ገዲፈን ሃገራዊ ዋዕላ ክድግፋ ምሕጽንቶኡ ኣቕሪቡ።

ኣቶ/ ተወከል ነቲ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ምድልዋትን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልያት ፖለቲካዊ ሓይልታት አመልኪቱ ብሽም እቲ መደበር ዘውጽኦ መግለጺ: ኩለን ሃገራውያን ሓይልታት ምእንቲ ሃገራዊ ተቓውሞ ክብ ንምባል ንምዕዋትን ሓቢረን ክሰርሓ ጸዊዑ

ኣቶ/ ተወከል ብሽም እቲ መደበር ብዓረብ አብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ምድልዋትን ኣመልኪቱ፡ ኩለን ሃገራውያን ሓይልታት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልያት ገዲፈን  ሃገራዊ ተቓውሞ ምእንቲ ክብ ንምባል ንምዕዋትን ሓቢረን ክሰርሓ ተማሕጽኑ። ቀጺሉ ኣቶ/ ተወከል ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ምስ ኩለን ዝምልከተን ሽነኻትን ናይ  ዜና ማዕከናትን ክሰርሕ ቅሩብነቱ ገሊጹ።

 ንምሉእ መግለጺ ናይ ዓረብ ሰነ ጽሑፍ ተመልከት/


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።