|
ዓንሰባ.ኮም,
assenna.com
ሰነ
17,
2010
ኩልና ከም እንፈልጦ ስውኣትና ወትሩ አብ ዝኽርና ምህላዎም እዩ። እንተ ኮነ
ግን 20 ሰነ ነቶም እዛ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ እናተባህለት ትጽዋዕ ዘላ ሃገር እቲ ዝግባኣ ክብርን
ስፍራን አብቲ ናይ ዓለማዊ ካርታ ንኽትውንን ግብራዊ ዝገበሩ ንጹሃን ሰማእታት ኤርትራ ብኽብርን
ብድምቀትን እንዝክረላ ረዛን ዕለት እያ። ስለዚ ካኣ ኢና ነዛ ክብርቲ ዕለት እዚአ እውን ከምቲ
ንመዓልቲ ነጻነት “ይአክል ንውቀ ምልኪ ንበግስ ን ለዕልና ሕጊ” አብትሕቲ ዝብል ቴማ ዘባዓልናዮ።
ነዚ ናይ ሰማእታትና ዕለት ከአ
“እቲ
ዝተሰዋእኩምሉ መትከል አብምትግባር ዝኣተናዮ መብጽዓ አብ መወዳእኡ ከንብጽሖ
ኢና”
ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኽብሪ ከነበዕሎ እናዘኻከኸርና።
አብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብዘን ዝሰዕባ ከትማታት ብሓበር ከነበዕሎ ጉቡእ ምድላዋት
ጌርና ኣሎና እሞ እብቲ ዕለትን ሰዓትን ኩሉኹም ዜጋጋት ክትሳተፉ ትዕደሙ።
ኣብ ከተማ ኦክላንድ ን ዓርቢ ዕለት 18 ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብ
Eritrean Youth for Change (EYC) ኣብ፡
By Lake Merritt (Astro Park)
MacArthur Fwy and Grand Ave and Lakeshore Ave
Oakland, CA 94610 US
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ን ቀዳም ዕለት 19 ካብ ሰዓት 6፡30 ድሕሪ ቐትሪ ብ
Eritrean Youth Global Movement (EYGM)
ኣብ
Jefferson Memorial
900 Ohio Dr. SW
Washington DC 20024
ኣብ ላስ ቨጋስ ን ረቡዕ ዕለት 23 ካብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ብ
Eritrean Civic Society - Las
Vegas
ኣብ Flamingo Park
Flamingo Road and Jones Dr.
Las Vegas NV 89103
ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ድማ ብ Eritrean American Community
Center- Dallas Fortworh ክካየድ ስለዝኮነ ንተወሳኪ ሓበሬታ ነቲ ኮሚኒቲ ማእከል ተወከሱ።
ዘልኣለዊ ዝኽሪ ን ሰማእታትና
|