|
Written By: ዓብዱ ሰዒድ
USA
ሰነ-ፍልጠት ከም ዘብረሃልና፡ ናይ ምርምር ቐዳማይ
ስጉምቲ ከባቢኻ ብዕምቆት ምዕዛብ'ዩ ። እዚ ከአ እንታይነት ከባቢኻ ምፍላጥ'ዩ ። ኣህዛብ ዓለም
አብዚ መስርሕ'ዚ ርኡይ ፍልልያት አርእዮም ።
እቶም ቐዳሞት ፍልልያታት ዓለምና እንተተዓዚብና (አችስቶክል
ፕሎት ፡ አይዛክ ኒዊቶንን ካልኦትን) ምስጢር ዓወቶም ከባቢኦ ብዝግባእ ብምምዝማዝ'ዩ ነይሩ።
ንዘለና ዓቕሚ ንምሕያል ከባቢናን ብልጫታትናን
ከነለልን ክንምዝምዞን እዋኑ ዝጠልቦ'ዩ ፡ ነዚ ንምትግባር ብሃውሪ ዘይኮነስ አብ ረቒቕ ሳይንሳዊ
መጽናዕቲ ዝተመስረተ ክኸውን አለዎ ፡ ንዝተማሃርካዮን ንዝረኸብካዮን ሓበሬታ ናብ ነገራዊ ሓይሊ
ምቕያር'ዩ ።
አብዚ ክንግንዘቦ ዘለና ብድሆ ንባዕሉ ዓቢ ጸጋ'ዩ
። አብ ዓለምና መብዛሕትኦም ካብቶም አደነቕቲ ምህዞታት አብ ምቹእ መድረኻት ዝተማህዙ አይኮኑን ።
ንኣብነት "መይክል ኮቭ" ብረት ከላሽንኮቭ ክሙዛ ከሎ አብቲ ጽንኩር ኩነታት ፤ ማለት አብ 2ይ ውግእ
ዓለም ሕብረተሶቭየት ምስ ሰራዊት "ናዚ" አብ ሓያል ውግእ ዝነበረትሉ እዋን እዩ ኔሩ ። አሜሪካ
ዝተመሳሰለ አብ 1860ታት ዘጋጠማ ምግምማዕን አብ 1970ታት አብ ግዜ ኪናት "ቬትናም" አብ ልዕሊአ
ዝተፈጥረ ቕልውላውን ሰጊራ ሎሚ "ጎብለል" ናይ ዓለም ክትከውን በቒዓ አላ ። ስለ'ዚ ኪኖ'ቲ ጸላም
ብምም ዕዳው በርቲዑ ንዝቓለስ ወገን እቲ ብርሃን ቐረባኡ ኢዩ ።
ብመስርሕ ሰውራዊ ቓልስና'ውን ፤ ንዝነበረና
ብድሆታት ከም ውሁብ ጸጋ ወሲድና ክንዋሳእ ስለ ዝከአልና ፤ ተዓዊና ።
ሕጂ'ውን እንተኾነ ፤ ንዘለና (ይውሓድ ይብዛሕ)
ጸጋታትና ከመይ ጌርና ናብ ረብሓና ከም እንቕይሮ ክንዛተየሉን ብዝለዓለ ክንሰርሓሉን ዝግባአና
መድረኽ'ዩ ።
|