|
Written by: ስምኦን ተኽለሰንበት
ዶውሓ - ቀጠር
14/11/2009
ሽልማት ኖብል (NOBEL PRIZE) አብ ሃገር ኖርወይ ዝወሃብ ዓለማዊ ህያብ
(ሽልማት) ኢዩ ። አብዚ ግዜ ግን ሽልማት ኖብል ንመን ትግባእ ዝብል ሕቶ ጥራይ ዘይኮነ መልክዕታትን
መምዘንታትን ሽልማት ኖብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ አሎ ።
ከም ዝመስለኒ ሽልማት ኖብል ነቶም ኣብ በበይኑ ዓውድታት: ንዓለምና ጠቀምቲ
ምህዞታትን መጽናዕቲታትን ወይ'ውን ንሰላም ዓለምና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀ - ሰባት ይኹን
ማሕበራት ዝወሃብ ሽልማት ኢዩ። ብዙሓት ተመራመርቲን ኪኢላታትን ድማ ናይዚ ሽልማት'ዚ ሰብ ጸጋ ኮይኖም
ኣለዉ።
ካብዚ ሓሊፉ ግን ሽልማት ኖበል ነቶም ዝዝከር ኣበርክቶ ዘይበርከቱ ጥራይ
ዘይኮነ: ካብ ዓላማታት ኖበል ወጻኢ ዝኾነ ተግባራት ዝገበሩ 'ውን ተዋሂቡ ኢዩ። ካብቶም ንዓለምና
ኪናትን ጥፍኣትን ዘስዓቡ መራሕቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተዋህበ ገለ ንጥቀስ።
ንመጀመርታ:
ሽልማት ኖበል ዝተዋህበ እቲ ኣብ 1901 ዝተመርጸ ቴዶር ሮዛፍልቲ ኮይኑ ንሱ
ነቲ ኣብ ደሴት ኩባ ብ (ROUGH RIDER )ዝፍለጥ ሓይሊ መሪሑ ኩባ ናጽነታ ከይትረክብ ዝተዋግእ
ናይ ኪናት ሰብ ኢዩ።
ካልኣይ:
ኖበል ሽልማት ዝተዋህበ መራሒ ሕቡራት መንግስትታት ኣሜሪካ ቶማስ ዋድሮ ዎልሰን
ኢዩ። ንሱ ነቲ ዓለም ኣብ ምምቃል ዝተገብረ ምስሕሓባት ዘጎሃሀረን ንኻልኣይ ኪናት ዓለም ዘበገሰን
ኢዩ።
ሳልሳይ:
ኖበል ዝተሸለመ ሓድሽ መራሒ ኮይኑ ኣብዛ ዓመት'ዚኣ ዝተመርጸ
ኬናዊ/ኣፍሪቃዊ/ኣሜሪካዊ/ጸሊም ባራክ ሑሴን ኦባማ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ኣፍጋንስታን ባክስታን
ዒራቅን ዝካየድ ዘሎ ደም ሰላማውያን ሰባት ዘይገደሶ ጥራይ ዘይኮነ: ነቲ ኣብ መንጎ ፈለስጢምን
ኢስራኢላውያንን ዝግበር ናይ ሰላም ዘተ እውን ሓድሽ መስመር ዘትሓዘ መርገጺ ዘይብሉ ኢዩ።
ጂሚ ካርተር እውን ካብ ንግስነቱ ምስ ወረደ ሽልማት ኖበል ረኺቡ ኔሩ፡ እዚኦም
ዝተጥቅሱ ምራሕቲ አሜሪካ ግን ሽልማት ኖበል ይግቦኦም ዶ ኢዩ?
ካልኦት ካብዚ ናቶም ንላዕሊ ንሃገሮም ይኹን ንዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘበርከቱ
ብሉጻት ሰባት የለዉን ዲዮም? አብ ዓለምና በበይኑ ከባቢታት ንሰላም ህዝቦምን ህዝብታት ዓለምና
ዝተቓለሱ ሰባት ኣለዉ።
ሽልማት ኖበል ክሳብ ዝወሃቦም ግን ድሮ ግዜ ሓሊፉዎም፡ እምበርከ ዋላ መምዘኒ
ሽልማት ኖበል ዘማልኡ ካልኦት ሰባት ብዘይ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ፍትወት ክወሃቡ ይኽእሉ ዶ? ምትእትታው
ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ሽልማት ኖበል ከ ኣሎዶ?
|