|
15/11/2009
ሃይ ኤቭሪ በዲ
ዘልኩ ደኣ.. ዘልኩሲ…...!
እዘን ዝስዕባ ቃላት ትግርኛ ተኸታተልወን
ከሽርፈን’የ…
ብኣምሆ ለይቲ ኣብ መደቀስየይ ከለኹ መጺአናኒ፣
ለይቲ ደቂስካ ከለኻ ግጥሚ ዜማ… ወይ ዛንታ ጥራይ እኮ
ኣይኮነን ዝመጸካ፣
ዋላ ቃላት ከተሽርፍ ክትሓድር ትኽእል ኢኻ፣
ዘልኩ ደኣ.. ዘልኩሲ.. ፎሎው… ሚ፣
ሰዓት ቂም ቂም ትብል፣
ቂም…. “ቂምታ” ሰዓት ድማ ይበሃል፣
ሽጉጥ ወይ ጠበንጃ ኣብ መንጐ ቶኽሲ ጥይት
እንተወዲኡ
“ቂም” ይብል፣ ወይ “ቂምታ” የስምዕ
፣
ሰብ
እንተ
ተቐዪሙ “ቂምታ” ሒዙ ይበሃል፣
ኣሎራ ክንደይ “ቂምታ” ኣሎና?
ቂምታ ሽጉጥ… ቂምታ ሰዓት… ቂምታ ሰብ
ሰለስተ ቂምታ ኮይኑ ኣሎ፣ !!!
ዕርቂ
ኣብ ሓላኺቶኻ
እተሕምም
ዓይነት ሕማም’ያ፣
ዕርቂ
ብኻልእ
ትርጉም ድማ ምስምማዕ
ማለት’ዩ፣
ዓሪቑ ዝብል ቃል ክዳውንቱ በልዩ ይትርጐም፣
ዓሪቑ ኸኣ ኣሰማሚዑ
ማለት ይኸውን
ኣሃሃ..
እዚ
ሃብቲ ናይ ቋንቋ ድዩ ወይስ ድኽነት’ዩ
ዘልኩ ደኣ.. ዘልኩሲ!
ሎሚ
ዕላልና
ብዛዕባ
ባእስን
ዕርቅን’ዩ፣
እሞኸ…
ንቐጽል..
እምበይ!
ክልተ ሰባት’ዮም፣ ርእሶምን
ካሕሱን ይበሃሉ፣
ክልቲኦም
ብውሽጦም ተቐያዪሞም ነይሮም፣
ርእሶም
ኣቡኡ
ሞይቶም፣ (ኣይትምቱኒ) ካሕሱ ኣይበጽሖን፣
ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣዲኡ
ንኻሕሱ ሞይተን፣ (ጠሊ ይግደፋ)
ርእሶም
ከኣ ኣይበጽሖን፣
ሓንቲ መዓልቲ መህደምን መኸወልን ኣብ ዘይብሉ ጐፍ ንጐፍ ተራኺቦም፣ ካሕሱ
ተዛሪቡ።
ካሕሱ።
“ርእሶም…!
ብኢዳ
ዝበላዕካን
ዝሰተኻን ኣደይ ዓሪፋሲ ከይቀበርካ?”
ርእሶም።-
“ካሕሱ…! ኣነኸ ቱቦ ናይ ማይ ድየ ቀቢረ?
ቅድሚ ኣዴኻ
እኮ
ኣቦይ’ዩ ተቐቢሩ” በሎ’ሞ።
ክልቲኦም
“እሞ
ሓባይብ ኣለና” ተበሃሂሎም፣
ጸጸገሞም ተነጋጊሮም ቂምታኦም
ባዕሎም
ፈወሱ ይበሃል፣
ዘልኩ ደኣ… ዘልኩሲ
ባእሲ
መናብርቲ ወዲ ሰብ’ዩ፣
ባእሲ
እንተሃልዩ
ድማ ሽማግለ ኣለዉ፣
እዚ
“ሎጂክ” ይበሃል፣
ብቕልል ዝበለ ኣብነት ከረድኣኩም፣
ሕዙ በሉ!
ንኣብነት ሰበይቲ
እንተልያትካ…
ገዛ ኣለካ…
ገዛ
እንተሊዩካ…
ዓራት ኣሎካ..
ዓራት
እንተልዩካ
ሸበጥ ኣለካ..
ሸበጥ
እንተሊዩካ..
እግሪ
ኣሎካ ማለት’ዩ፣
እዚኣ
ንሓደ ሰብ
እግሪ
ከም ዘለዎን ከምዘይብሉን ብሎጂክ ንኽነረድእ
ንጥቀመላ“ቲዮሪ”
ወይ “ቲዮርም”
ኢያ፣
ዘልኩ.. ደኣ ዘልኩሲ
ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት (ብፍላይ ሽበት ምስ ጀመረኒ)
ኣብ
ዕርቂ
ከም ሽማግለ
እጽዋዕ
ከም ዘለኹ ትፈልጡ
ኢኹም፣
ኣብ ዓድና… ገዛውትና.. ኣዕሩኽተይ..
ቤተሰበይ..
መሳርሕተይ.. መጋድልተይ.. መተዓብይተይ.. ኩሎም ይጽውዑኒ’ዮም፣
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ
ዓመት ዝተፈላለዩ ብኡሳት
ክዓርቕ…
ባረንቱ.. ኣቑርደት.. ሓልሓል.. ደቀምሓረ.. ከረን.. መንደፈራ…
ዓዲቐይሕ..
ባጽዕ
(6 ግዜ)…. ናቕፋ…. ጋሕተላይ… በጺሐ ኣለኹ፣
ኣብ
ዕርቂ
ብዙሕ ኣይኮነለይን’ዩ፣
ብውሽጣ ውሽጢ “ኣንቶኒ ሌክ” ይብሉኒ’ዮም፣
እንተኾነ
ኣምላኽ ይመስገን ኣብ ቅድመይ
ኢሉኒ
ዝፈልጥ የለን፣
ኣነ’ውን
እዛ
ዓራቓይ ምዃን ባህጋ የብለይን፣
ግና
እቶም
ሽማግለታትን ሰብ ጉዳይን ይጽውዑኒ፣
እቲ
ምኽንያት ድማ። “ኣብ መንጐ’ቲ
ዕርቂ
ወጥሪ ክፍጠር ከሎ። ነቲ ሃዋሁ ናብ መስሓቕ
እናቐየረ
ኩልኻ ከይተረዳኣካ
ኢኻ
እትዕረቕን
እትሳነን”
ዝብል ወኒ ንዓይ ከም ሽማግለ ዓቢ “ኣድቨርታይዝመንት” ኮይኑለይ፣
ዘልኩ ደኣ… ዘልኩሲ
ሎሚ ግና ኣይስሕቕ.. ኣይዋዘ…
ኣብ
ዕርቂ
ትዋዘ
እንተዄንካ
ሓንቲ መዓልቲ ኣቦ-መንበር ኴንካ ክትመውት ምዃንካ ክትፈልጥ ኣሎካ፣
ሄይ… ሲርየስ..
እስከ
|