|
ብ/መንግስተኣብ ኣስመሮም
17.11.2009
ካብ ንሓርነት.ኮም
ቅልዕቲ መልእኽቲ ንተጋዳላይ ሓምድ ድራር ትብል 39 ገጻት ዝሓዘለት ብሸኽ
ሓምድ ቱርኪ ብ28.10.2009 እተጻሕፈት ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ። ብሓደ ሸነኽ፡ 39 ገጻት ብምዃኑ፡
በዚሑ፡ ሽዑ ንሽዑ ከንብቦ ኣይተደፋፋእኩን። ቀስ ኢለ፡ ግዜ ኣብ ዝረኸብኩሉ ከንብቦ ኢለ ድማ፡ ዓቚረዮ
ጸኒሐ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ኣርእስቲ ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ተጋዳላይ ሓምድ ድራር ዝብል ኣርእስቲ
ስለዝተዋህቦ፡ ናይ ሓምድ ድራር መልሲ እጽበ ነይረ።
ክፍሊ ዜና ናይ’ቲ ብሸኽ ሓሰን ሳልማን ዝምራሕ እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራ መልሲ
ምስ ሃበ ግን፡ እቲ ብሸኽ ቱርኪ ዝቐረበ ጽሑፍ ከንብቦ መሪጸ። ብርግጽ ድማ፡ ከም’ቲ ክፍሊ ዜና
እስላማዊ ጕባኤ ኤርትራ ዝበሎ፡ ኣርእስትን ትሕዝቶን ናይ ሸኽ ቱርኪ ጽሑፍ ዝሳነ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን።
እቲ ትሕዝቶ፡ ኣንጻር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነበርን፡ ኣንጻር ሰልፊ ዕዮን ማሕበራውን ሰልፊ ኤርትራ፡
ኣንጻር ሓድነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራ ዘትኰረ ኰይኑ ረኺበዮ።
ሸኽ ቱርኪ፡ ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፉ፡ ነቲ ኢብራሂም መሓመድ
ዓሊ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓምድ ድራርን ትዕዝብትታቶም ዝሃቡላ ቀዳመይቲ ክፋል ናይ ጽሑፉ መልሲ
ዝኸውን፡ ካልኣይ ክፋል ኣዳልዩ ምንባሩ፤ ግን ከኣ፡ ካብኡ ንላዕሊ ስልጣን ዘለዎ ኣካል መሪሕነቱ፡
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ መልስን ጸረ መልስን ዘስዕብ ጽሑፍ ምውጻእ
ኣድላዪነት የብሉን ኢሉ ከምዝኸልከሎን፤ ሸኽ ቱርኪ ድማ፡ ኣቤቲታኡ ኣቕሪቡ ምህላዉን ሓቢሩ።
ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ፡ ኣነ ውን፡ ከም’ቲ ክፍሊ ዜና እስላማዊ ጕባኤ ዝበሎ፡
እቲ መልስን ተጻይ መልስን ኣየድልን’ዩ ካብ ዝብል እምነት ንናይ ሸኽ ሓምድ ካልኣይ ክፋል ደው ዘበለ
ዝለዓለ በዓል ስልጣን እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፣ ነዚ ከይተመለሰሉ ክሓልፍ ዘይክእል ካብ ሓቂ
ዝርሓቐ ጸለመን ውንጀላ ዘለዎን ብሸኽ ቱርኪ ዝተዳለወ ሳልሳይ ክፋል፡ ደው ዘይምባሉ ተሰማሚዕሉ ወይ
ባሪኹሉ ከምዘሎ ኢየ ክርዳእ ክኢለ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ብስም ሸኽ ቱርኪ ወጺኡ ዘሎ
ቀዳማይን ሳልሳይይን ክፋል ጽሑፋቱ፡ ንመትከላትን ፖሊሲታት ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንልምዓትን ፍትሕን
ከምዝውክል ብዙሕ ዘካትዕ ወይ ዘተሓትት ኣይመስለንን።
ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣቐዲመ ጀሚረዮ ዝጸናሕኩ ኣገባብ፡ ሕጂ ውን፡ ንሳልሳይ
ክፋል
ጽሑፍ ሸኽ ቱርኪ ብውልቀይ ክምልሰሉ ክፍትን
ኢየ።
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይ ሸኽ ቱርኪ ጽሑፍ ድማ፡
1.
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ክስርስትያንን
እስላምን
ምዃኑ፣
2. ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ናይ ክርስትያን ሕሉፍ
ጸጋማውያንን ኣግለልትን ሓይልታት ምዃኖም፣
3.
ሰልፊ
ዕዮን
ማሕበራዊ ሰልፊ ኤርትራን
4. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነበር
5. ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
1.
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ
እስላምን
ክርስትያንን ቃልሲ
ኢዩ
ጽሑፍ ሸኽ ቱርኪ ብምልኡ፡
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ ክርስትያንን
እስላምን
ዝካየድ ቃልሲ ምዃኑ’ዩ ከረድእ
ዝፍትን። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ሸኽ ቱርኪ፡
“ክርስትያናዊ ምሁር፡
ዕላማታቱ ንምዕዋት ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ምርጫታቱ ክወስድ ሽግር የብሉን፡ ውሳኔ
ንምውሳድ ውን ሰጋእ መጋእ ኣይብልን ኢዩ። ምኽንያታቱ ከኣ፡ እቲ ክርስትያናዊ ምሁር፡ ነቲ ዝኣምኖ
ዕላማታት ዘገልግሎ፡ ብፍላይ ድማ፡ ስልጣን ንምጭባጥን ቍጽጽሩ ንምርግጋጽን ዘኽእሎ ግቡኣት ይፍጽም
ኢዩ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከም ምሁር ተጋዳላይን መራሕ መንግስትን፡ ከምኡ ውን፡ ቅድሚኡ ኣብ ግዜ
ፈደረሽን ናይ ዝነበሩ ምሁራት ክርስትያን ሰይጣናዊ ጻዕርታት፡ ሃብትን ስልጣንን ኤርትራውያን ንረብሓ
ክርስትያናዊ ማሕበረ-ሰብ ንምውዓል ዝተገብረ ሰይጣናዊ ጻዕርታት ድማ ብቑዕ ኣብነት ኢዩ”።
ፕረሲደንት ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ፡ ዕላማኡ
ንምዕዋት፡ ንሕና (እስላም) ዘይንድግፎ፡ ሕጋውን ዘይሕጋውን ኣገባብ ተጠቒሙ፡ ናይ ክርስትያን ህዝቢ
ብሓፈሻ፡ ናይ ምሁራት ክርስትያን ድማ ብፍላይ፣ ናይ ባይቶ ኣብያተ-ክርስትያናት ዓለም፡ ናይ ክርስትያን
መንግስታት፣ ከምኡ ውን፡ ናይ ሰውራ ኤርትራ ዝምድናታት ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓረብ ተጠቒሙ፡
ምሉእ ብምሉእ ናይ ክርስትያናዊ ሕብረተ-ሰብ ስልጣንን ዕብለላን ከረጋግጽ ዝኸኣለ። ነዚ ዓቕምታት’ዚ
ድማ፡ ብነዊሕ ናይ ውዲትን ምግላል ናይ’ቲ ካልኣይ ሸነኽን ኣቢሉ፡ ነቲ “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል
ፕሮጀክቱ ክጥቀመሉ ኪኢሉ። በዚ ድማ፡ ሓደ መርኣያን መለለዪን ናይ’ቶም ዝኸፍኢ ፕረሲደንትታት ኣብ
ዓለምና ኰይኑ” ይብል። ቀጺሉ ድማ፡ “… ክርስትያን ፖለቲካውያን ምሁራት ክእከቡን፡ ንፖለቲካዊ
ሃለዋቶምም ክመዝኑን ኣየድልዮምን ኢዩ። ምኽንያቶም ድማ፡ ምርጫኦምን ስትራተጂኦምን ቀደም ወዲኦሞ
ኢዮም። ምእካብ ዘድልየና እቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ኣብ ውድባትን ፋሕ ኢልና ዘለና ኣስላም
ኢና።”….. “እስላማውያን ምሁራት ፡ ገለ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ኣብ ሰለስተ ሸነኽ ዝተኸፍሉ ኢዮም።
ገሊኦም ብኵነታት ናይ እስላማዊ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ብኵነታት ናይ ሃገሮም ዘይግደሱ ተዓዘብቲ፤ ገለገለ
ከኣ፡ ነቲ ጽንኩር ህልዊ ኵነታት ኣብ ምግጣምን ቅኑእ ውሳኔ ኣብ ምውሳድን ሰጋእ መጋእ ዝብሉ፣ እቲ
ሳልሳይ ከኣ’ሞ ዝኸፍA ኰይኑ፡ ክርስትያን’ዮም፡ ዝሓየሉ፡ ዝያዳ ንኤርትራ ብእቱበትን ብክእለትን
ከመሓድሩ ዝኽእሉ፡ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ፡ ትርፍራፍ ናይ ስልጣን ንምክፋል ምስኦም ጽግእግእ ዝብል
ኢዩ” ክብል ወሲኹሉ።
ሸኽ ቱርኪ ኣብ ጽሑፉ፡ ኵሎም ክርስትያን ብኢሳያስ ከምዝውከሉን፡ ብኡ ኣቢሉ
ረብሓኦም ከምእተረጋገጸን፡ እንታይ ንግበር ኢሎም ኵነታቶም ክመዝኑን ስትራተጂ ከውጽኡን ከምዘየድልዮምን
ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ኢሉ ዝጽውዖ እስላማዊ ክፋል ናይ ሕብረተ-ሰብና ግን፡ ተኣኪቡ፡
ኵነታቱ መዚኑ ስትራተጂኡ ሓንጺጹ፡ ብድሕሪኡ ጥራሕ ኢዩ ምስ’ቲ ብኢሳያስ ዝውከል ክርስትያናዊ ሓይሊ
ኮፍ ኢሉ፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ክዛረብ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎም።
ኣብ’ዚ፡ ንሸኽ ቱርኪ ከቕርበሉ ዝደሊ ሕቶታት ኣሎኒ፡ ኣንጻር ኢሳያስ ክቃለሱ
ዝጸንሑን ዘለዉን ክርስትያን ኤርትራውያን የለውን ድዮም? ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጭቆና መሪርዎም
ንስደት ዘምርሑ ክርስትያን የለዉን ድዮም? ብናይ ህግሓኤ ናይ ቀደም፡ ብናይ ሎሚ ህግደፍ መትከላት
ኣሚኖም ክቃለሱ ዝጸንሑን ዝቃለሱ ዘለዉ ኣስላም የለዉን ድዮም።
ተሓኤ’ኸ ናይ እስላም ውድብ ጥራሕ’ያ ነይራ? ሸኽ ቱርኪ ይኹን ሰልፉ፡ ከም’ዚ
እንተደኣ ኰይኑ እምነቶም፡ ስለምንታይ ደኣ’ሎም ምስ’ቶም ብሕሉፍ ክርስትያናዊ ጸጋማዊ ሓይሊ ዝጽውዕዎም
ውድባትን ሰልፍታትን ኰነ፡ ምስ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝርከብዎም ውድባት ምሕዝነት ወይ ኪዳን ፈጢሮም
ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃለሱ ዘለዉ? ስለምንታይ ደኣ’ሎም፡ ንተቓወምቲ ውድባት ንምጥርናፍ
ተበግሶ ወሲድናስ፡ ነቲ ብጸጋም ሓይሊ ዝኸስዎ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብዩና ኢሎም ዝኸሱ?
ስለምንታይ’ዮም፡ ነቶም እስላማውያን ውድባት ጥራሕ ክጥርንፉ ዘይፈተኑ? ወይስ ሕጂ፡ ናይ ሰልፊ ህዝብን
ሰልፊ ዲሞራስን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲትን ሓድነት ኢዩ ኣሰንቢድዎ። ሸኽ ቱርኪ፡
ምምስራት ናይ ግንባር ተዳሙን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ዝኸይድ
ዘሎ ናይ ምጽንባር መስርሕ ንምብዳእ ኢሉ ዝቘመ ምዃኑ ብንጹር ቃላት ገሊጽዎ ኢዩ። ካልእ ዝብዳህ ጸላኢ
ስኢኑ ድዩ ንሓድነት ዝገብሩ ዘለዉ ተቓወምቲ ውድባት ክብድህ ተበጊሱ? ወይስ ኣብ መንጎ ህግደፍን እዞም
ውድባት እዚኣቶም ፍልልይ የለን፡ ኵሎም ናይ ክርስትያን ውድባት ኢዮም ካብ ዝብል ግጉይ እምነቱ’ዩ
ተበጊሱ?
ነዚ ኣብ መወዳእታ ዘልዓልክዎ ሕቶ ከልዕል ዝደረኸኒ ምኽንያት ድማ፡ ሸኽ
ቱርኪ፡ ባዕሉ ኣብ ጽሑፉ፡ ግንባር ተዳሙን፡ ነዚ ናይ ሕሉፍ ጸጋማዊ ክርስትያናዊ ብሎክ ንምብዳህ ኢሉ
ዝቘመ ግንባር ምዃኑን፤ ግንባር ተዳሙን ድሕሪ ምቛሙ ድማ፡ እዚ ሕሉፍ ጸጋማዊ ክርስትያናዊ ሓይሊ፡
ስትራተጂኡ ፋሕ ከምዝበሎን ክገልጽ ስለዝረኣኹ ኢየ። ቃል ብቓሉ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል። “ሰልፊ
ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን ንኪዳን ንምቍጽጻር ስለዘይከኣሉ፡ ንውድባቶም ኣብ ምጽንባር ዘትኰረ ናይ
ስልጣን ምጭባጥን ምብሓትን መደባት ምክያድ ጀመሩ። በቶም ዝተገለሉ ኣስላምን ካልኦትን፡ ግንባር ተዳሙን
ምስ ቈመ ግን፡ ነቲ ስትራተጅን ፖለቲካዊ ዕላማታትን ናይ ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ገላበጦ”
ይብል። እዚ እምበኣር፡ ግንባር ተዳሙን፡ ብዘይካ ንሰልፊ ህዝብን ንሰልፊ ዲሞክራስን ካልኦት ምሳኦም
ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝኣትዉ ዘለዉ ውድባትን፡ ምጽራርን ምብዳህን እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዕላማን ስራሕን
ከምዘይብሉ’ዩ ዘብርህ።
ንምዃኑ’ኸ፡ ሸኽ ቱርኪ፡ እስላማዊ ውድብ ክህልዎ ቅቡል ካብ ኰነ፣ እቲ ካልእ
ክርስትያናዊ ውድብ ከቅውም እንተፈተነ’ኸ ስለምንታይ’ዩ ነውሪ ዝቝጸር። ወይስ ንናይ ኢስያስ
ክርስትያናዊ ስርዓት ብናይ ሸኽ ቱርኪ እስላማዊ ስርዓት ምቕያር’ዩ ዝድለ ዘሎ? እታ ጽባሕ እንምስርታ
ኤርትራ ንጸጋማውያን ሰልፍታት ክዋስኡላ ዘይተፍቅድ ኤርትራ ድያ ክትከውን? ኣብ’ዚ ርእይቶ፡ ሸኽ ሓምድ
ብንጹር ክሰምዕ ባህ ምበለኒ።
2. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሕሉፋት ጸጋማውያን
ሓይልታት ኢዮም ሸኽ ቱርኪ ይኹን ሰልፉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ
ኤርትራን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓድነት መስርሕ፡ ናይ ሕሉፍ ጸጋማዊ ክርስትያናዊ ሓይሊ ምትእኽኻብ ገይሮም
ኢዮም ዝግልጽዎ። ነቶም ምስ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሑ ኣስላም ይኹን ንኣባላት ናይ’ቶም ኣብ’ዚ
ቀረባ እዋን ናብ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸንበሩ ኣባላት ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ኤርትራ
ጋሽ-ሰቲት ድማ፡ ዝተታለሉ፡ ሞራሎም ዘውደቑ፡ ተለጠፍቲ ገይሩ’ዩ ዝገልጾም። ካብ’ዚ እምነቱ ተበጊሱ፡
ሸኽ ቱርኪ ይኹን ሰልፉ፡ ንከፋራርሖም ኢሉ፡ እዚ ሕሉፍ ክርስትያናዊ ሓይሊ፡ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ስልጣን
ዝሕዘላ ጩራ እንተርእዩ ገዲፎምኩም ክኸይድ’ዩ፤ ትማሊ ትማሊ፡ ቀቢላውያን ሃይማኖታውያን እናበሉ
ዝኸስኹም ዝነበሩ፡ ሎሚ ክንእድኹም እንተፈተኑ ከመይ ገርኩም ትኣምንዎም ክብል ደፊሩ ክጽሕፍ ውን
ተራእዩ ኢዩ።
ነቶም ኣብ’ዘን ሰልፍታት እዚኣተን ዘለዉ ይኹኑ፡ ወጻኢ ካብ እስላማዊ
ምንቅስቓሳት ዘለዉ እስላም ድማ፡ ናይ ዝደለይዎ ውድባት ኣባላት ናይ ምዃን መሰሎም፡ ከምኡ ውን፡ ካብ
ፖለቲካ ናጻ ኰይኖም ናይ ምንባር መሰላት ከምዘለዎም ዘንጊዑ፣ ብተወላወልቲ፡ ተዓዘብቲ፡ ትርፍራፍ
ስልጣን ናይ ክርስትያን ከረኽቡ ዝጽበዩ ኣካላት ገይሩ ክገልጾም ፈቲኑ ኢዩ።
ካብ’ዚ ዝኸፍእ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ኣእሙሮን ናይ ምሕሳብን ዓቕምታትን ናይ’ቶም
ኣብ ናይ ቱርኪ ውድብ ይኹን ኣብ ግንባር ተዳሙን ዘየለዉ ውዱባት ይኹን ዘይውዱባት ዜጋታት ክህሉ
ዝኽእል ዘሎ ውን ኣይመስለንን። ሸኽ ቱርኪ ዝመረጾ ፖለቲካን ኣይድዮሎጅን እንተዘይመሪጽካስ፡ ብቃላት
ሸኽ ቱርኪ፡ ወይ ተዓዛቢ ኢኻ፡ ወይ ፈራሕ ኢኻ፡ ወይ ሞራልካ ዘውደቅካ ኢኻ፡ ወይ ከኣ ተረፍመረፍ
ስልጣን ንምቕባል ነብስኻ ዝሸጥካ ኢኻ ማለት ኢዩ።
ከም’ዚ ንምባል’ዩ ነቶም ኣስላም ኤርትራ ኣብ 3 ሸነኻት ዝኸፋፈሎም። ብሓቂ
ንምርድኡ ዘጸግም ናይ ምእምጣር ኣእሙሮ ኢዩ። እዚ ኣእምሮ’ዚ፡ ኣግለልቲ፡ ኢሉ ክሲ ከቕርብ ከሎ ድማ
ዝያዳ ዘስደምም ይኸውን።
ብኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ሸኽ ሓምድ ጸረ ሃይማኖት ኢሉ ዝኸሶ ኣይዲዮሎጂ ናይ
ኮሚኒስታውያን ኣንጻር ሃይማኖት እስልምና ጥራሕ ድዩ? ንክርስትና ሃይማኖት’ከ ኮሚኒስታውያን
ኣይዋግእዎን ድዮም? ስለ’ዚ፡ ጸጋማዊ ጥሩፍ ክርስትያናዊ ሓይሊ ዝብል ሓድሽ ቃል ምምሃዙ፡ ሸኽ ቱርኪ፡
ነቶም ምስኡ ሽርክነት ፈጢሮም ዘለዉ ኣባላት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝነበረ ምስጢራዊ ሰልፊ እዮ
ዝነበሩ ተጋደልቲ ከይከስር ድዩ? ወይስ፡ ንዕኦም ምሕረት ገይሩ፡ ነቶም ክርስትያን ግን ክሳብ ሕጂ ስኑ
ነኺስሎም ስለዘሎ ኢዩ?
3. ሰልፊ ዕዮን ማሕበራዊ ሰልፊ ኤርትራን ሸኽ ቱርኪ፡ ንቃልሲ
ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነ ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ውህደትን ህዝቢ
ኤርትራ ዝበታተነ፡ እቲ ሰልፊ እዮ ናይ ተሓኤን፡ ማሕበራዊ ሰልፊ ኤርትራ ናይ
ህዝባዊ ግንባርን ዝኽተልዎ ዝነበሩ ጸጋማዊ ኮሚኒስታዊ ኣይዲዮሎጂ ኢዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ንጀብሃ ዘፍሸለ፡
ጸጋማዊ ሰልፊ ዕዮ ክብል ከሎ፡ እቲ ንሻዕብያ ዘዓወተን ናጽነት ዘምጽአን ማሕበራዊ ሰልፊ ኤርትራ’ዩ
ክብል ግን ኣይደፈረን። ስለ’ዚ፡ እቲ ጸገም ኣብ’ቲ ኣይድዮሎጂ ኣይነበረን። ክንደይ ነቲ ኣይዲዮሎጂ
ዝኽተሉ ዝነበሩ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ክእወቱን ናጽነቶም ክጓናጸፉን ውን ርኢና ኢና። ርሑቕ ከይከድና፡
ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ኣብነታት ውን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ስለ’ዚ፡ ናይ ፍሽለትና ጸገም
ብልክእ ንምፍላጥ ኣስፍሒና እንተጠመትናን ኣእሚቝና እንተተመራመርናን ኢዩ ዝሓይሽ በሃላይ ኢየ።
ንምዃኑ’ኸ፡ እቲ ናይ እስላም ምንቅስቓስ፡ ካብ’ዞም ዝኸሶም ዘሎ ሰልፍታት ወይ ኣይድዮሎጂታት ንላዕሊ
ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓወታት ስለዘመዝገበ ኢዩ ክንየት ዝፍትን ዘሎ? ንኻልኦት ንጀብሃ ፈናጪሎም ኢሎም
ክኸስስ ከሎ፡ ንነብሱ’ኸ ካብ’ዚ ምፍንጫላት’ዚ ኣድሒንዋ ድዩ?
4. ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነበር ሸኽ ሓምድ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ ነበር ዝሰንዘሮ ክስታት ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካብኡ ግን ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኢዩ። “ናይ
ሱዳን መንግስቲ ኢንቃዝ፡ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ንምትዕራቕ ኣብ ዝተበገሰሉ
እዋን፣ ሰውራዊ ባይቶ፡ እስላማዊ ውድባት ኣለዉዎ ብዝብል ምስምስ ተቓዊምዎ፤ ከምኡ ውን፡ ሓደ
ናይ ሓባር መዘክር ንምድላው ብተቓወምቲ ውድባት ዝተገብረ ፈተነ ውን ተጻሪርዎ። ነዊሕ ከይከደ ድማ፡
ሰውራዊ ባይቶ፡ ንበይኑ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ርኽክባት ክገብር ጀሚሩ። ሰውራዊ ባይቶ ከኣ፡ ንኣደናጋሪ
መብጽዓታት ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ተሰማሚዑሉ። ብናይ ሽርክነት ትልምታትን መደብ ዑዮታትን ዝመልአ
ሻንጣታቱ
ኣልዒሉ ድማ፡ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ንኣስመራ ክኣቱ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ
ካርቱም ተበገሰ። ብሃንደበት ድማ፡ መገሻኩም ደው ኣብልዎ ዝብል መልእኽቲ ካብ ኢሳያስ መጸ። መሪሕነት
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ነቲ ትልምታት ዝመልአ ሻንጣኡ ሒዙ ናብ ቀዋሚ መደበሩ ተመልሰ”።
ምናልባት ሸኽ ሓምድ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስለዝፈረሰ፡ ክሕለቐሉ ዝኽእል ኣካል
ኣይርከብን’ዩ ካብ ዝብል ገምጋም ነቒሉ’ዩ ነዚ ክስታት’ዚ ክስንዝር ዝርከብ። ግን፡ ነቲ ናይ ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶ ተመኵሮ፡ ኣብ መዝገብ ናይ ታሪኽ ኣቐሚጥና፡ ንመጻኢ ንምጥማት ንበገስ ኢና ዝበልና
እምበር፡ ታሪኽና ክንከላኸለሉ ዘሕፍረና ታሪኽ ከምዘይብልና ክበርሃሉ ይግባእ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
እምበኣርከስ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ብኡንብኡ ግዜ ከይወሰደ፡ ንሕና ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዘልዓልናዮ
ብረት ኣውሪድና፡ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክንላዘብ ድልዋት ምህላውና ብወግዒ ንህዝብና ኣዊጅና
ኢና። ናይ ሱዳን ይኹን ናይ ካልእ መንግስቲ ዕድመ ውን ኣይተጸበናን። ናይ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ
መርገጽ ውን፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክግበር ዝብል ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ብዛዕባ ልዝብ እንተዀይኑ፡
መሰረታዊ መትከልና ስለዝዀነ፡ ኣንጻሩ ደው ኢልና ውን፡ ኣይንፈልጥን። ሸኽ ቱርኪ፡ ሰውራዊ ባይቶ
ንልዝብ ተጻሪሩ ክብል ከሎ ውን፡ ብጣዕሚ’ዩ ዝድንጽወና።
ኣነ ብዝፈልጦ ግን፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ንእስላማውያን ውድባት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ
ኣትዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ዳዕዋ (ስብከት) ክገብሩ፡ ብረታዊ ተቓውሞኦም ደው ከብሉ ከምዝሓተቶም፣ በዚ
ሕቶ’ዚ ምኽንያት ድማ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ጅሃድ ኤርትራ ኣብ ክልተ ከምእተኸፍለ ኢዩ። ሸኽ ቱርኪ
ዝርከቦ ፖለቲካዊ መሪሕነት ጅሃድ፡ ነቲ ናይ ሱዳን ጻውዒት ክቕበል እንከሎ፣ ካድራቱን ሰራዊቱን ግን፡
ተቓዊሞም። በዚ ከኣ፡ ብኣቡ ስሄል ዝምራሕ ሓይሊ ወይ ውድብ ተፈጢሩ።
ቀጺሉ፡ ሸኽ ሓምድ፡ “እስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ
ውድባት ኤርትራ ዝነበረ ፍልልያት ንምጽባብን ኣንጻር ናይ ሓባር ዲክታቶርያ ስርዓት ኤርትራ ንምጽማዱን
ኢሉ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉን፣ ናብ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘብጽሕ መባእታዊ ካዕባዊ ርኽክባት
ክገብርን ስምምዓት ክፈራረምን ኣብ ዝጀመረሉን እዋን ከኣ፡ ሰውራዊ ባይቶ ኣንጻር’ቲ ጻኦርታት’ቲ ደው
በለ። ነቲ መስርሕ ንቕድሚት ከይስጉም ድማ ዓንቀጸ። ድሕሪ ብወገና ዝገበርናዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ግን፡
ምስ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ተራኺብና። ድሕሪ ብዙሕ ርክባት ድማ፡ ንሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ
ክንሰርሕ ተሰማማዕና። ካብ’ቶም ፍሉጣት ኣባላት ናይ ልኡኽ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ መሓመድ ዑመር ይሕያ
ነይሩ። ከምኡ ድማ፡ ጋዜጠኛ ስኣላይ ዝዀነ ኣሕመድ ኣቡስዓዳ ውን፡ ኣብ ምቅርራብና ዓቢ ግደ ተጻዊቱ”
ኢሉ። ኣነ፡ ብወገነይ፡ ብእስላማዊ ምንቅስቓስ ጅሃድ ዝተወስደ ናይ ሓድነት ተበግሶ ኣይፈልጥን ኢየ።
ናይ ሓድነት ሕቶ፡ ደዉ ኢሉ ዝፈልጠሉ መድረኻት ውን ኣይነበረን። ቅድሚ ናጽነት፡
5 ውድባት ዝሓቘፈ ኢምሃቻ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ምሕዝነት ነይሩ። ከምኡ ውን፡
ኣብ መንጎ ተሓኤ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ተሓኤ ሃገራዊ ባይቶን ብዙሕ ርኽክባት ተገይሩ፡ ኣብ ብዙሓት
ጕዳያት ውን ኣብ ስምም ዕ ተበጺሑ ነይሩ ኢዩ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ብተጋዳላይ ሓሰን ኣሰድ ዝምራሕ
ተሓኤ ሃገራዊ ባይቶን ድማ፡ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም ኢዮም። ተሓኤ፡ ተመሳሳሊ
ኣዋጅ ምስ’ተን ክልተ ውድባት ከውጽዕ ኣብ ትጽቢት እንከሎ፡ ክልተ እስላማውያን ውድባት፡ ኣብ’ቲ
መስርሕ ናይ ሓድነት ክኣትዉ ይደልዩ ኣለዉ ዝብል ጠለብ ብመራሕቲ ተሓኤ ከምዘቕረበ እፈልጥ ኢየ።
ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ መጀመርያ፡ እቶም ሰለስተ ተሰማሚዕና ዘሎና ውድባት ንወድእ፡ ብድሕሪኡ ምስ ካልኦት
እንታይ ንገብር ከኣ ብሓባር ንርእዮ ከምዝበልና ድማ ኣዐርዩ ይዝከረኒ ኢዩ።
ንምምስራት ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ እንተዀይኑ ግን፡ ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ ብመሪሕነት ናይ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝወሰዶ ተበግሶ ምንባሩ፡ ዋላ እቶም እስላማውያን ውድባት
ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝመስከርሉን ዘመጐስዎን ስጕምቲ ምንባሩ ኢየ ዝፈልጥ። ኣባላት ሙባደራ
ዝዀኑ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ጀማል ሁመድን ውን፡ ኣብ ምቅርራብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝተጻወትዎ
ግደ፡ ዝርሳዕን ዝሕከኽን ኣይኰነን። ከም’ቲ ሸኽ ሓምድ ቱርኪ ዝበሎ፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ገንዘብ
ኣህሪፍና ወይ ካልእ ምኽንያታት ደፋፊኡና ኣይኰነን ነቲ ስጕምቲ ዝወሰድናዮ። እንታይ ደኣ፡ ኣብ
ምጥርናፍ ሓይልታት ተቓውሞ ዘሎና መትከላዊ እምነትና ኢዩ ኣበጊሱና። እቲ ብድሕሪ ውግእ ኤርትራን
ኢትዮጵያን፡ ናብ ኢትዮጵያ ምእታውና ብኽድዓት ዝኸሰሰና ሸኽ ሓምድ ቱርኪ፡ ቀለም ናይ ጽሑፉ ከይነቐጸ፡
ኣሰርና ተኸቲሉ ናብ ኢትዮጵያ ኣተወ። ገንዘባዊ ደገፍ ክረክብ ኢሉ ድዩ ካልእ ሕሳባት ደሪኽዎ ንፈልጦ
የብልናን። ብዛዕባ ግደን ተራን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኪዳን እንተዀይኑ፡ ከም’ቲ ሸኽ ሓምድ ዝብሎ፡
ናይ ምዕግርጋር፡ ስልጣን ምድላይ … ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ ሓያል ኪዳን ንምፍጣር ኢና ክንቃለስ
ጸኒሕና። ነዚ ንምፍላጥ ድማ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ክንደይ ካብ ካድራቱ ንስርሓት ናይ ኪዳን መዚዙ፤
ዕላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን’ከ ክንደይ ኣወፍዩ ምሕታት እኹል ኢዩ። ኣነ’ኳ፡ ብዘይካ መሓመድ
ሳልሕ (ሙሃንድስ) ዝስሙ ካድር ካልእ ናይ’ቲ ቱርኪ ዝመርሖ ሰልፊ ካድር ርእየ ኣይፈልጥን ኢየ።
ስልጣን እንተዀይኑ ውን፡ ውድባት በብተራ ክመርሓ ኣለወን ዝብል ዓንቀጽ
ምሕዝነት ይኹን ኪዳን እንከሎ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣቦ መንበርነት ከይረክብ ዝግበር ዝነበረውዲታትን
ሸርሒታትን ኵሉ ዝፈልጦ ስለዝዀነ፡ ምዝርዛሩ ኣድላዬነት የብሉን።
ክስታት ሸኽ ሓምድ ቱርኪ፡ ኣብ’ዚ ጥራሕ ውን ኣይተደረተን፡ “ገለገለ ኣባላት
ከም መስፍን ሓጎስ (መከላኸሊ ሚኒስተር ነበር)፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም (ናይ ቀዳም ኣምባሳደር)፡
ዓብደላ ኣደም (ኣምባሳደር ነበር) መሓመድ ኑር ኣሕመድ (ኣምባሳደር ነበር) ዝኣመሰሉ ኣባላት መሪሕነት
መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ካልኦትን ተፈንጪሎም ኣብ ናይ ተቓውሞ ደምበ ምስኣተው ድማ፡ ካልእ
ምዕብልናታት ክርአ ጀመረ። እቲ ሰውራዊ ባይቶ ዝገብሮ ዝነበረቀቢላውያን ብሄራውያን ሃይማኖታውያን ዝብል
ስያመታት ደጋፊ ረኺቡ። በዚ፡ እቲ ኣንጻር ካልኣይ ሸነኽ (ኣንጻር እስላምን ብሄራትን) ናይ ኤርትራ
ዝግበር መጥቃዕትን ምትዅታዅን ዛየደ። ናይ ሰውራዊ ባይቶን ሓደስቲ መሓዙቱን ናይ ምግላል መደባት ፡
ነቶም ቀቢላውያንን ዕሱባትን ኢሎም ዝጽውዕዎም ሸነኻት ክሳብ ንስጎጎም ዝብል ሓደገኛ ጥርዙ በጽሐ። ነዚ
ሰይጣናዊ መደባቶም ንምዕዋት ድማ፡ ንተሓኤን ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ኣብ ሕቝፎም ናይ
ምእታው መደብ ተለሙ። በዘን ኣርባዕተ ውድባት እዚኣተን ዝቘመ ምሕዝነት ክምስርቱ ድማ ሓሰቡ። እዚ
እንተደኣ ተዓዊቱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ጸጋምነትን ዓልማውነትን ናይ ተሓኤን ናይ ፈደራልዊ ምንቅስቓስን
ጥርጠራታት ስለዘለዎም፡ ከባርርዎም ምኻኖም ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ተሓኤን ፈደራልን ግን ክሳዕ ክንድ’ዚ
ዓያሹ ስለዘይኰኑ፡ በዚ ክታለሉ ኣይከኣሉን። ነዚ ዘረጋግጸልና ድማ፡ እቲ ኣብ ፍራንክፈርት፡ ለንደን
ዝተኻየደ ኣኼባታት ኢዩ። ተሓኤን ፈደራላዊ ምንቅስቓስን ግን፡ ነዚ መደብ’ዚ ነጸግዎ” ዝብል ክስታት
ውን ኣለዎ።
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራስን ኣብ 2003 ኣባላት ናይ ሃገራዊ
ምሕዝነት ኤርትራ ኣይነበሩን። ስለ’ዚ ከመይ ኢሎም ኢዮም ንኣባላት ሃምኤ ዝዀኑ ውድባት ክሰጉ ዝኽእሉ።
ኣብ 2003 ምስ ዮውሃንስ ዘርእማርያም ኣባል መሪሕነት ተሓኤ ኣብ ፍራንክፈርት ተራኺብና ሓደ ናይ
ስምምዕ ሰነድ ከምዝኸተምና ርግጽ ኢዩ። ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ለንደን፡
ኣካል ናይ’ቲ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ዝፈረሙ ውድባት ኰይኑ ክቕጽል ተታሊሉ ዘይኰነስ ብምሉእ ዕግበቱ ኢዩ
ኣትይዎ። ምስ ክልቲኦም ሰልፍታት ስምምዕ ክንገብር ከሎና ግን፡ ኣባላት ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶይኹን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣባላት ምሕዝነት ከምዘይነበርን ከስምረሉ እፈቱ።
ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ፡ ኣብ ኢዶም ስለሓወዮም ግን፡ ክልተ እስላማውያን
ውድባት፡ ነቲ ኣብ መንጎ 4 ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ክንሳተፎ ንደሊ ኢና ስለዝበሉ፡ ኣብ ካርቱም
ናይ 6 ውድባት ኣኼባ ተኻይዱ። ኵልና፡ እቶም ኣብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝጸናሕና 6 ተቓወምቲ
ውድባት ድማ፡ ሓቢርና ሓደ ሓድሽ ኪዳን ንመስርት ኢልና ተሰማሚዕና ተፈላለና። በዚ ከኣ፡ ኵልና
ዝተሳተፍናሉ ጕባኤ ተገይሩ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ተመስሪቱ። ፈተውቲ ሃገራት ውን፡ እቲ ፋሕ
ዝበለ ክውንነት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ባህ ስለዘየበሎም ንሓድነት ይደፍኡ ነይሮም። ናይ ኪዳን
ምምስራት፡ ከም’ዚ ነይሩ። ካልእ ምስጢራት ኣይነበሮን።
5. ሰልፊ ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራ ሸኽ ሓምድ፡ ንምሕዝነት ሰልፊ
ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ክገልጽ ከሎ፤ “ምውላድ ናይ ግንባር ተዳሙን፡ ንናይ ሰልፊ
ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን፡ ናይ ስልጣን ምብሓትን ምግላልን ፕሮጀክት ናብ ሓደጋዩ ኣእትይዎ። እቲ
ጸጋማዊ ጥሩፍ ሓይሊ፡ ድሕሪ ምውላድ ግንባር ተዳሙን፡ ኣብ ናይ ጸለመ ወፈራን ነቶም ቅድም ክብል ዕሽሽ
ዝብሎም ዝነበረ ሸነኻት ኣብ ምጥርናፍን ዘትኰረ ምንቅስቓሳት ከካይድ ጀሚሩ ኢሉ ይኸስስ። ቃል ብቓሉ
ከኣ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል። “ናይ ሰህኤን ሰዲኤን ብሎክ፡ ክርስትያንን እስላምን ዝጠርነፍኩ ውድብ’የ
ንምባልን፣ ንመልክዕ ናይ ብሎኩ ንምጽብባቕን፡ ነቶም ዝተረስዑ እስላምን ገለ ቅድም ክብል ከም ሓተላ
ዝርእይዎም ዝነበሩ ገለገለ ተጋደልትን፡ ገለ እስላማውያን ውድባትን ንምጥርናፍን ተጓየየ። በዚ ኣቢሉ፡
ኣብ መንጎ እስላማዊ መሳርዕ ምፍልልይን ወጥርን ክፈጥር ውን ተበገሰ” ይብል። ካብ’ዚ ዝነጸረ ናይ
ሕዛእቲ ናይ ምግላልን ኣተሓሳስባ ክርከብ ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን።
ኣስላም ኤርትራውያን፡ ኣብ ካልኦት ዘይእስላማውያን ውድባት ክስለፉ የብሎምን
ዝብል ኣተሓሳስብ ናይ ሸኽ ቱርኪ፡ ምንቅስቓስ ዲሞክራስይዊ ተቓውሞ ናብ ሰልፊ ህዝቢ ክጽንበር ምውሳኑ፡
ክሳብ ክንደይ ከምዘቘጥዖ ኢዩ ዘመልክት። ንሰልፊ ዲሞክራስን ንሰልፊ ህዝብን ብሕሉፍ ጸጋማዊ
ክርስትያናዊ ሓይሊ ናይ ምኽሳስ መደባቱ ከም ብጭቃ ዝተሰርሕ ገዛ፡ ብማይ ዝቐልጥ፡ ድፋዓቱ ፈረሶ።
ክስታቱ ሰማዒ እዝኒ ከምዘይረክብ ድማ ብኡ ንብኡ ተፈለጦ። ነዚ ፍሽለት’ዚ ንምፍዋስ፡ “ንናይ ሰልፊ
ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራስን ብሎክ ኣይትእመንዎ፡ ስልጣን ዝሕዘላ ንእሽቶ ጩራ እንተደኣ ርእዩ ሓዲጉኩም
ክኸይድ ኢዩ” ብምባል፡ ሕፍር ከይበለ ንኣባላት ጋሽ ሰቲት ከጠራጥር ፈቲኑ። ካብ’ዚ ዝንጽር፡ ናይ
ምግላል፡ ናይ ምንጻግ፡ ናይ ውዲት ኣእሙሮ ክህሉ ዝኽእል ኣይመስለልን። ሓበላኻ ንምሕባእ ቀዲምካ ሓባል
ኢልካ ምጽራፍ ግን፡ ኣቦታትና ዝፈልጥዎን ዝመሃሩናን ምስጢር ስለዝዀነ፡ ናይ ሸኽ ሓምድ ክስን ጸርፍን
ብዙሕ ዋጋ ኣይንህቦን ኢና። ሸኽና፡ በዚ ውን ኣየእከለን፡ ክሳብ ክንደይ ዓያሹ ቈጺሩና ኣይርድኣንን፡
እቶም ናይ ተሓኤ ተመኵሮ ዘለኩም ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዋላ ንቅዋም ናይ ሻዕብያ እንተተቐበልኩም፡
ሻዕብያ ኣይቅበለኩምን ኢዩ፡ ዓማ ክብለኩም ኢዩ፡ ናይ ቀደም መረረታት ኣሎ…ወዘተ ኢሉ ውን ክመኽረና
ፈቲኑ። ያኢ፡ ድሕር’ዚ ዅሉ ክስታት፡ ናይ ሸኽ ቱርኪን ሰልፉን ኣተሓሳስባኦም ምንባብ ስኢናስ፡ ምስ
ሰልፊ ዲሞክራስን ካልኦት ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝመጹን ተቓወምቲ፡ በዚ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ሽጣራታት
ክፈላልየና!!!!
የቐንየልና ሸኽ ቱርኪ፡ ንሕና ነቲ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ገዲፍና፡ ምእንቲ ድሕነት
ህዝብን ሃገርን፡ ምስ ኵሎም ኣብ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ረብሓ ዘለዎም
ኤርትራውያን ሓቢርና ክንሰርሕን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቕና ብናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዲሞክራስያዊ
ስርዓት ክንትክእን ቆሪጽና ተበጊስና ኢና። ሓድነታዊ ጕዕዞና ድማ፡ ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ሸርሕታት
ኣይክእገትን ኢዩ።
|