ደቀንስትዮ ኤርትራ
ደሃይክን ሃባና ደሃይክን ኣስማዓና
ኩቡራት ኣደታት ናኣሽቱ የሕዋትና
ሰላም ብሓበራ ጽቡቓት ሰብ ግርማ
ደሃይክን ሃባና ትግረ ሸሊል ትቁነና
ትጉሃት ጻዕራማት ናራ ምስ ኩናማ
ሳሆ ምስ ብሌን ግርማ ናይ ሃገርና
ሕዳረብ ረሻይዳ ዓቀብቲ ባህልና
ጎባልል ተባዓት ዓፍር ትግርኛ
ቀጽልኦ አጅኽን ጌናዩ ጉዕዞና
መሪር ተሰጊሩ'ዩ አብ ሰላም በጺሕና
ጽልማት ደጊም የሎን ጩራ'ካ ደጉሑና
ጉዕዞና አብ ምዝዛሙ'ዩ ንፈጽሞ ሓቢርና
አጅኽን ምርሓና ኪዳ ቀቅድሜና
ፍቕርኽን ሃባና ንሱ'ዩ ስንቅና
ደቀየ በላና ክንውስኽ ናህርና
ስድሪ'ያ ተሪፋ ክትምዕብል ሃገርና
እወ ንእሽቶይ ተሪፋ ክውዳእ ሽግርና
ብሓባር ንኸዶ ክሓጽር ጉዕዞና
ሽግር ሓላፋይ'ዩ ነትርሮ ሓድነትና
ብዘይ አፈላላይ ደቂ ኤርትራና
ኩልና ብሓባር ንበል ሃገርና
ስምኦን ተኽለሰንበት
ዶውሓ - ቀጠር
22/11/2009
ዓንሰባ ዶት ኮም ምስ ልሙድ ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ ይኹን ርኢይቶ ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን ድማ ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት የረጋግጽ :፡ ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ ዓንሰባ ዶት ኮም ዝኾነ ናይ በጻሕቱ ብሑትነት ይኹን ሓበሬታ ይሕሉ።