መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ጀጋኑ ይከናኸነልና።
መስከረም.ነት
ዘተሓሳስብ፡ ናይቶም ዝሃድሙ ዘለዉ ዘይኰነስ፡ ናይ'ቶም መንግስቲ ባዕሉ ዝአመነሉ፡ ብጉቦ ዝተበከለ ህልዊ ምሕደራ ተጺሚሞም፡ ስኖም ነኺሶም፡ መዓንጣኦም ሸጥ አቢሎም፡ አብ ዘይመልኤ ከብዶም ሃገር ዝከላኹሉን ዝሃንጹን ዘለዉ ዕጉሳትን ውፉያትን መንእሰያት እዩ። እዚ ኹሉ ትዕግስትን ተወፋይነትን። እንታይ እዪ ጻምኦም። እንታይ እዩ ዓስቦም። ብጭቡጥ። ብሰነድ። ብአዋጅ። ቃልን ምረቓን ፕረሲደንት ኢሰያስ እኹል ክኸውን አይክእልን። አብ ባንክ አይሽረፍ። ሸመንቶ ኰይኑ ገዛ አይሰርሕ። ናይ እቶም ደቂ ሓፋሽ፡ እወ፤ ናይ እቶም ደቂ ሓረስቶት፡ ደቂ እቶም ድኻታት፡ ብዘይካ ሃገሮም/መሬቶም ካልእ ማዋጽኦን አማራጭን ዘይፈልጡ። ናይ እዚኦም እዩ ዘተሓሳስብ። እቶም ዝሃደሙ ጽባሕ ተመሊሶም እብ ልዕሊ እዚኦም ሸናዕ ክብሉን አራግጽ ክውድእዎምን ሙኑዋለን ነዳቖን ገዛውቶም ክገብርዎምን፡ ነተን ጀጋኑ ሸቀልተን ከደምተን ክገብርአንን ክፍቀድ ድዩ? ወይስ መነባብሮ እቶም ስኖም ነኺሶም ሃገር ዝከላኸሉን ብረሃጾም ሃገር ዝሃንጹን ዘለዉ መንእስያት ምምሕያሽ እዩ? ጸጋታት እታ ሃገር ነዚኦም ዘየርብሕ ክኸውን አይግባእን። መንግስቲ ብውግዒ፡ ብአዋጅ፡ አብ ቅድሚ ህዝብን ዓለምን ቃል ክአትወሎም ይግባእ። መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ጀጋኑ ይከናኸነልና።
ዓንሰባ ዶት ኮም ምስ ልሙድ ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ ይኹን ርኢይቶ ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን ድማ ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት የረጋግጽ :፡ ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ ዓንሰባ ዶት ኮም ዝኾነ ናይ በጻሕቱ ብሑትነት ይኹን ሓበሬታ ይሕሉ።