|
ኤርትራዉነት
ፍቅሪ'ዩ ሓድነት
ምትሕልላይ ልግስነት
ኤርትራዉነት
ቅንዕና'ዪ ግልጽነት
ጽፉፍ ባህሊ'ዪ ጭዉነት
ኤርትራዉነት
ልቦና'ዪ ሙቅሉልነት
ትሕትናዩ ርዝነት
ኤርትራዉነት
ዓቅሊ'ዪ ተጻዋርነት
ምህዞ'ዪ ተበላሓትነት
ኤርትራዉነት
ፍትሒ'ዩ ርትዓዉነት
ሰላምዩ ማዕርነት
ኤርትራዉነት
ጻዕሪ'ዩ ህርኩትነት
ትግሃት ተወፋይነት
ነብስኻ ምኽኣል ዘይተመጽዋትነት
ኮሪዕካ ምንባር ብርእሰ-ተኣማማምነት
ኤርትራዉነት
ጽንዓት'ዪ ዘይተምበርኻኽነት
ተሓፊርካ ምንባር ምስ ሙሉእ ነጻነት
ኤርትራዉነት
ሓያል ራኢ'ዩ ኣርሒቘ ዝጥምት
ንማዕረ ዕርክነት ንማዕረ ሽርክነት
ክንዮ ዶብ ዝሓስብ ንጥርናፈነት
ድሙቅ ሕብሪ ሕብሪ ኣፍሪቃዉነት
ልዕሊ ኹሉ ኤርትራዉነት
ሃይማኖት'ዩ እምነት
ስነ- ሓሳብ'ዩ ስነ መጎት
ቁኑዕ መንፈስ ዘኹርዕ ኣብነት
እሞ ቀናእ ኩን ቁዱስ ቅንኢ ይሕደርካ
ብኤርትራዊ ስነ ሓሳብ ተቐኒትካ
ማዕረ ጅው ማዕረ ቻይናውያን ክስራዕ ህዝብኻ
ስራሕ ድኸም ጽዓር ኣበርክት እጃምካ
ካልእ ኣማራጺ ዘሎ ከይመስለካ
ሚካኤል ዘካርያስ
ላስ ቬጋስ
ታሕሳስ 20, 2009
|