ናይ ለውጢ ወብሳይታትዶ ናይ ኢትዮጵያ ጆዋሲስ?

 ናይ ፈደረሽን ውሳኔ አንጻር ህዝቢ ኤርትራ ንረብሓ ኢትዮጵያ= እገዳ አንጻር ህዝቢ ኤርትራ (ሕጂ'ውን) ንረብሓ ኢትዮጵያ።
አብ ጉዳይ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝወገኑ ከም ዝነበሩ፡ ሕጂ'ውን አብ ጉዳይ እገዳ ምስ ኢትዮጵያ ዝውግኑ ይረአዩ አለዉ። ካብ ታሪኽ አይንመሃርንዶ?

 

አብ ዓለም፡ እቲ ካብ ኩሉን፡ ብኹሉ ሸነኽን ዝጽላእ ጃሱስ እዩ። ሎሚዶ ጃሱስ ኢትዮጵያ ይኽወን? አደ አይትስማዕ።

መስከረም 12-29-09መዘና ዘይብሉ ክድዓት ወብሳይታት፡ ንኤርትራዊ ዜጋ የቐይምን የጉህይን ከም ዘሎ ምግንዛብ ከድሊ እዩ።

ገለ፡ ሕብረን ናብ ቀጠለ ብጫ ቀይሕ ዝቕይራ ዘለዋ ናይ ኤርትራ "ተቓወምቲ" ኢና ዝብላ ወብሳይታት፡ አብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዘይፍትሓዊ  ናይ እገዳ ውሳኔ መሰረት ብምግባር: ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ዳግማይ-ጎበጣ አስትራተጂ ባይታ ንምፍጣርን ንምትግባርን፡ አንጻር ልዕላውነትናን ሓድነትናን ምስ ዝኾና ናይ ኢትየጵያ ናይ ዜና ማዕከናት ብምልፋን፡ መሰረትን ምንጭን ዘይብሉ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፡ አብ  ህዝብን ሃገርን ወጥርን ራዕድን ንምፍጣር ዝዓለም ዘመተ የካይዳ ከም ዘለዋ ንርኢ አለና። እዚ ዝተዋደደ ዘመተ ምንጩ አዲስ አበባ ምኻኑ: በቶም ምስ'ዘን ወብሳይታት ብቕርበት ዝሰርሑ ዘለዉን በዚ ከዳዕ ዘመተ ዘጕሃዩን ይንገር አሎ።

ገለ ዋናታት እተን ወብሳይታት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝገሹን ምስ ኢትዮጵያዊ ናይ ስለላ መሓውራት ከም ዝተራኸቡን ኩሉ አብ መደበር ተቓውሞ ዘሎ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ንሕና ዘይአተናዮ እንድዮም ዝአትዎ ኢሎም ዘስተማስሉ አውን አይሰአኑን። ብዝኾነ..

እቲ ካብ መደበር ስለላ ኢትየጵያ ዝምንጩ ዘሎ ሓበሬታምስ ውሳኔ እገዳ ፍጹም ዘራኸብ ዘይቡሉ ክንሱ፡አስማት ኤርትራውያን ብምርቋሕ ንሕቡራት መንግስታት "ቾብ" "ሓዞ ጎፋር" ንምባል ዝግበር ዘሎ ፈተነ እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ግን አብ ህዝቢ ራዕድን አብ ሓድሕድ ምብልላዐን ንምፍጣር እዩ። ነዚ ዝዕዘብ ዘሎ ህዘቢ፡ ነዘን ወብሳይታት ጆዋሲስ ኢሉ ከም ዓኽታ ዓቢ-ሰዓል ዓኽ ኢሉ አብ ገጽ መወልተንን አዋፈርተንን ጡፍ ከም ዝብለን ክፍለጥ ይግባእ። እንተ እቲ ናብ ዝተወሰኑ ክፍልታተ ዘቕንዔ፡ ድሕረተን ዘቃልዔ ናይ ጥቆማ ወስታ፡ ንአንባቢ ከስደምሞ ጥራይ አዩ ዝኽእል። 

ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ፖሊሲን አካያድን ዝንቀፍ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ አመኽኒኻ አብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ በደል ክፍጸም ግን ምኹንይ ክኸውን አይክእልን። አብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከአ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኰይነካ አብ ልዕሊ ህዝብኻን መንግሰትኻን ውድባትካን በደል ክተፍጻም አይግባእን።

አብ አዲስ አባባ ኰይኖም አብ ሓድሕዶም ዝተሓሳሰዎ ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሰልፍታትን ከም ዘለዎ ዓው ኢልካ ዝጸወየሉ ዘሐፍር ጠበያት አዩ።ሻዕብያ ምስ ወያነ ኰይኖም ንጀብሃ አንታይ ጽቡቕ ፈድዮማ? ሳግም አብ ልዕሊ ሰውራዊ ባይቶ ዝገበርዎ ናይ ጥቆማ በደል ክሳብ ሎሚ ስምብራቱ አይከደን። ካብ ታሪኽ ክንመሃረዶ አይግባእን። ንሓውኻ ንናይ ወጻኢ ሓይሊ አሕሊፍካ ምሃብከ ካበይ መጸ?

 
መንግስቲ ኤርትራ ብዋጋ ልዕላውነትናን ሰላምናን ምርግጋአናን ዝሕግዞን ብረት ዘዕጥቖን ዝሕብሕቦን መንግስቲ ይኹን ውደብ ክህሉ አይግባእን። ዸገፍ ደረት ክህልዎ ስለ ዝግባእ።መንግስቲ ከምኡ ይገበር አሎ እዩ አውን ክበሃል አይከአልን። ይገብር እንተልዩ፡ ንጨባብጥ። ንሕና አውን ዓገብ ክንብል። ንኢትዮጵያ ንምድሓን ተባሂሉ ንናይ ሃገራት ታሕተዎት አብያተ ፍርዲ ዘየዕግብ ጨብጢ/መርትዕ ለጢፍካ-ለጣጢፍካ ግን ከም ምኽኒት እገዳ ቅቡል ክኸወን አይክእልን። አብ ሃገረ አሜሪካ፡ ንሓደ ሰራቒ ከሲስካ አብ ቅድሚ ቤት ፍረዲ ከተቕርቦን ክትረትዖን ዝጥለበካ መርትዖዶ አይከብድን ካብዚ አብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ንምጋባር ዝተጠልበን ዝቐረበን ጭብጢ/መርትዖ? ገበነኛ አብ ፍረዲ አቕሪብካ ንኽተረትዕ ዘሎ ከቢደ ናይ መርትዖ ጠለብ ክንዕዘብ ንኽእል።
(Beyond a reasonable doubt is the standard of proof required in most criminal cases within an adversarial system. Generally the prosecution bears the burden of proof and is required to prove their version of events to this standard. This means that the proposition being presented by the prosecution must be proven to the extent that there is no "reasonable doubt" in the mind of a reasonable person that the defendant is guilty.)
በዚ ሕጊ አሜሪካ መሰረት ሓደ አሜሪካዊ ገበነኛ ካብ ሓደ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ይኸበር ንኽትረትዖ ሰፍ ዘይበል መርትዕ ከተቕርብ ስለ ዝጥለበካ።

ከምቲ ሓደ አሜሪካዊ ዓርከይ ዝበሎ ኰይኑ። ትማሊ አብ ሜትሮ ናብ ስራሕ ክንከይዽ ንራኸብ አሞ ብዛዕባ እገዳ ነዕልል።ከምዚ ከአ በለ፡ አብ ልዕሊ ታይገር ውድስ ዝኹምርዎ ዘሎዉ ጭብጢ ይበዝሐን ይኸብድን' ካብ አብ ልዕሊ ኤርትራ አቕሪቦሞ ዘለዉ ጭብጢ። They are collecting  more evidence against Tiger Woods compared to what they have compiled and collected against Eritrea..

እቶም አብ ሃገር ለውጢ ከንምጽእ እንብል ዘለና፡ እወ፡ አብ ሃገርና ክተዓራረ ዘለዎ ጉዳያት አለና።፡ባዕልና ነተዓራሪዮ። ክቕየር ዘለዎ ነገራት አለና። ባዕልና ንቐይሮ። አኽእሎን ዓቕምን እኹል ትሩፍ አለና። አይከአልናን፡ንዝኽእሉ ንግደፈሎም።ካብኡ ብዝተረፈ ናይ ግዳም ተባላዒ ሓይሊ ብምዕዳምን መሳርሒኡ ብምዃንን ዝሕገዝ ህዝቢ ክህሉ ኣይክእልን። አይፋል ምስ ኢትዮጵያ ክንውግን ኢና እንተ ተባሂሉ ግን ድሕሪ ሕጂ ዝተሓነጠጠ እንተተሓነጠጠ ዝተጨደረ እንተተጨደረ እተሰምዕ ኤርትራዊት እዘኒ ወይ እትስዕብ ኤርትራዊት እግሪ ከምዘይትርከብን አብ ኤርትራዊ መአድን ባይቶን ክብረትን ምስጋናን ክርከብ ከም ዘይኮነን ክፍለጥ ይግባእ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘጕሂ ግን እዘን ወብሳይታት ይኹና እቶም ምስ ህዝቢ ተፋታሖም ዘሎዎ "ተቓውሞ" አብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ዘርእይዎ ዘለዉ ጥልመት እዩ።

እቲ ዘጕሂ፡ ሰራዊት መክልኻል ኤርትራ፡ እሞ ብገዛእ ደቅናን ደቂ-ደቅናን፤ አብ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት ጥይት ወዲኦም ጃለ ኰይኖም ብሰራዊት መለስ ንኽማረኹ ዘዓለመ ናይ ብረት እገዳ ውሳነ ምድጋፍ እዩ። ንስዉአትካ ምጥላም እዩ። ጀጋኑ ናጻ ዘውጽእዋ ሃገር ዓይንኻ አንዳርኤኻ ምስ ኢትዮጵያዊ ናይ ጎበጣ አጀነዳ ምውጋን ብደውካ ሞት አዩ። እቲ እገዳ ዓላምኡ ኸአ ንሃገርና ናብ ሕቊፊ አትዮጵያ ምምላሰ ምኽኒት ምፍጣር እዩ።

አገዲስዎም ያኢ ሕሰም ህዝብና ከቃልሉ!!

1952
አብ ፈደረሽን ሸነኪሮሙና፡ 1962 እንዳተጎበጥና ዓገብ አይበሉ፤  30 ዓመት አድምዮምና፡ ሕጂ ኸአ ምእንቲ ኢትዮጵያ ክንደሚ፡ ከም ገንሸል ክንሕረድ....

ነዚ ዘይረአየን ዘየስተብሃለን ግን ብናይ ፖለቲካ ጋህሚ ተለኺፉ፡ ዓዊሩ ክበሃል ይከአል።

መለይ: መልአኽ ዓዋተ ይሓልኺ።

መስከረም

  

 


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።