|
ሰልፊ
ዲሞክራሲ
ህዝቢ
ኤርትራ
12
ለካቲት
2010
እዛ
ንናጽነት፡
ፍትሒ፡
ማዕርነትን
ሰላምን
ንልዕሊ
30
ዓመታት
ዝተቓለሰትን
ማእለያ
ዘይብሎም
ደቃ
ዘሰውአትን
ኤርትራ
ብራዕድን
ሽበራን
ክትክሰስ፡
ዘየሕዝንን
ዘየሐምምን ኣይኰነን።
እቲ
ፈታው
ሰላምን
ሕግን
ዝዀነ
ህዝባ፡
ብሰሪ
ፖሊሲታት
ናይ’ቲ
ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ብዓይኒ
ጥርጠራ
ክጥመት
ውን
ዝያዳ
ዘሻቕልን
ዘተሓሳስብን
ጕዳይ
ምዃኑ
ርዱእ
ኢዩ።
ዲክታቶርያዊ
ስርዓት
ኢሳያስ
ግን፡
ጌና
ብጌጋታቱ
ዝተኣመነ
ኣይመስልን’ዩ
ዘሎ።
ብኣንጻሩ፡ ነቲ
ክፍጽሞ
ዝጸንሐ
ጌጋታት
ብምቕጻል፣
ኣብ
ደገ
ንዝርከቡ
ደገፍቱ፡
ነቲ
ብሕቡራት
ሃገራት ኣብ
ልዕሊ
ስርዓት
ኢሳያስ
ተነቢሩ
ዘሎ
ማዕቀብ
ንምቅዋም
ንዕለት
22
ለካቲት
2010
ሰላማዊ ሰልፍታት
ክገብሩ
ይጕስጕሶም
ኣሎ።
ሰላማዊ
ሰልፊ
ምግባር
መሰረታዊ
መሰል
ናይ
ወዲ
ሰብ ስለዝዀነ፡
ብሰላማዊ
ሰልፊ
ርእይቶኻ
ምግላጽ
ነውሪ
ኣይኰነን።
ግን፡
እዚ
ሰላማዊ
ሰልፊ ንረብሓ
መን’ዩ?
ንረብሓ
ህዝቢ
ድዩስ
ወይስ
ንረብሓ
ዲክታቶርያዊ
ስርዓት?
ህዝቢ
ብናይ ገዛእ
ርእሱ
ዕግበት
ዘካይዶ
ዘሎ
ሰላማዊ
ሰልፊ
ድዩ
ወይስ
ተደፊኡ
ምፍላጥ
ኣገዳስነት
ኣለዎ። ህዝቢ
ኤርትራ
ብሓፈሻ፡
ደገፍቲ
ስርዓት
ኢሳያስ
ከኣ
ብፍላይ፡
ኣብ
ኤርትራ፡
ሰላማዊ
ሰልፊ ክገብሩ፣
ርእይቶታቶ
ብናጻ
ክገልጹ፡
ከምዘይክእሉ
ኣዕርዮም
ይፈልጡ
ኢዮም።
ድሕሪ
ናጽነት ኤርትራ፡
መሰላቶም
ክኽበረሎም
ሰላማዊ
ሰልፊ
ዝገበሩ
ኣባላት
ሰራዊት
ምክልኻልን
ውጕኣት ሓርነትን
እንታይ
ከምዝበጽሖም
ዘይፈልጥ
ኤርትራዊ
ዜጋ
ዘሎ
ኣይመስለናን።
ቅዋም ይተግበር
ጥራሕ
ዝብል
ጠለብ
ዘቕረቡ
መራሕቲ
ህግደፍ
ነበርን
ጋዜጠኛታትን
ኣብ
ሃለዋቶም ዘይፍለጠሉ
ኣብያተ-ማእሰርቲ
ተዳጕኖም
ምህላዎም
ውን
ናይ
ኣደባባይ
ምስጢር
ኰይኑ ኣሎ።
መንእሰያት
ኤርትራ፡
ንደረት
ዘይብሉ
ባርነታዊ
ወፍሪ
ተቓሊዖምን
ኣብ
ትርጕም ዘይብሉ
ውግኣት
ተነቍቶምን፣
ከም
ውጽIቱ
ዝረኸብዋ
ዕድል
ተጠቒሞም
ንስደት
ክውሕዙ ይርኣዩ
ኣለዉ።
ብዓሰርተታት
ኣሽሓት
ዝቝጸሩ
ናይ
ፖለቲካን
ናይ
ሕልናን
እሱራት
ኣብ ፈቐዶ
ኵርንዓት
ናይ
ኤርትራ
ኣብ
ዝርከብ
ኣብያተ
ማእሰርቲ
ይሳቐዩን
ይማስኑን
ምህላዎም ውን፡
እትረፍዶ
ህዝቢ
ኤርትራ፡
ወጻእተኛታት
ውን
ዝፈልጥዎ
ናይ’ዚ
ግዜ’ዚ
ቀንዲ
ዕላል
ኰይኑ
ኣሎ።
እዞም
ኣብ’ዚ
ቀረባ
እዋን
ካብ
ቤት
ማእሰርቲ
ፕሪሞ
ካንቴሪ
ዝሃደሙ
300
እሱራት
ውን
ብቑዓት
ምስክርነት
ኢዮም።
ስለ’ዚ፡
እዞም
ኣንጻር’ዚ
ግፍዕታት’ዚ
ሰላማዊ
ሰልፊ
ክገብሩ
ኢሎም
ሓሲቦሞ፣
እዞም
ንናጻ ምርጫን
ናጽነት
ናይ
ፕረስን
ተጣቢቖም፣
ናጻን
ፍትሓውን
ቤት
ፍርዲ
ክህሉን
ናይ
ፖለቲካን ናይ
ሕልናን
እሱራት
ክፍትሑን
ጠሊቦም
ዘይፈልጡ
ኣብ
ደገ
ዝነብሩ
ደገፍቲ
ዲክታቶርን ጭቆናን
ዝዀኑ
ኤርትራውያን፣
ሎሚ፡
ኣብ
መሰላት
ናይ
ደቂ
ሰባት
ዘኽብሩ
ሃገራት
ምዕራብ
ኰይኖም፡
ኣንጻር’ቲ
ኣብ
ልዕሊ
ስርዓት
ኢሳያስ
ተነቢሩ
ዘሎ
ማዕቀብ
ሰላማዊ
ሰልፊ
ንገብር ኣሎና
ክብሉ
ፈጺሙ
ዘምሕረሎም
ኣይኰነን።
ንምዃኑ’ኸ፡
ስለምንታይ
ኢዩ
ኣብ
ውሽጢ ኤርትራ፡
ዋላ
ኣንጻር’ዚ
ናይ
ባይቶ
ጸጥታ
ሕቡራት
ሃገራት
ማዕቀብ
ሰላማዊ
ሰልፊ
ክግበር ዘይፍቀድ
ኢሎም
ንነብሶም
ሓቲቶም’ዶ
ይፈልጡ
ይዀኑ?
ንጐስጓስ
ስርዓት
ኢሳያስ
ተቐቢሎም
ዝገብርዎ
ዘለዉ
ሰላማዊ
ሰልፊ
እምበኣር፡
ይፍለጥዎ ኣይፍለጥዎ
ብዘየገድስ፡
ንጹሃት
ዜጋታት
ኤርትራ
ብዘይ
ክስን
ብዘይ
ፍርድን
ኣብ
ማእሰርቲ
ከብልዩ፣
መንእሰያትና
ንዘይተረደተ
ግዜ
ኣገልገልቲ
ስርዓት
ኤሳያስ
ክዀኑን
ንስደት ክውሕዙን፣
ብሓጺሩ፡
ዕምርን
ጭቆናን
ዲክታቶርያዊ
ስርዓት
ኢሳያስ
ክቕጽልን ዲሞክራስያዊትን
ፍትሓዊትን
ኤርትራ
ጋህዲ
ከይኰነት
ክትተርፍን
ኢዮም
ዝጠልቡ
ዘለዉ።
ገለገለ
እቲ
ማዕቀብ
ንህዝብና
ክሃስዮ’ዩ
ኢሎም
ዝሓስቡን
ዝሻቐሉን
ዜጋታት
ኣይሰኣኑን
ኢዮም።
ግን፡
ህዝቢ
ኤርትራ፡
ስርዓት
ኢሳያስ
ብዝፈጠሮ
ማዕቀብ
ክሳቐ
ከምዝጸንሐ
ከመይ ኣቢሉ’ዩ
ክስወሮም
ክኢሉ።
ነጋዳይ
ከይነግድ
ሊቸንስኡ
ተመንዚዑ፡
ሓረስታይ
ከይሓርስ፡ መሬቱን
ደቁን
ትራክተራቱን
ስኢኑ፣
ተምሃራይ፡
መንእሰይ፡
ሰራሕተኛ፡
ድፍዓት
ኰይኑ ገዛውቶም፣
ካብ
ቦታ
ንቦታ
እተርፍዶ
ሰብን
ኣቝሑትን፡
ብሑቕ
ውን
ከይንቀቐስ
ተኣጊዱ፣ ፍልይ
ዝበለ
ርእይቶ
ዘለዎ
ዜጋ
ጐዳጕዲ
ኰይኑ
ሰፈሩ።
ካብ’ዚ
ዝኸፍእ
ኣብ
ልዕሊ
ህዝቢ ክፍጸም
ዝኽእል
መቕጻዕትን
ማዕቀብን
ኣሎ
ድዩ?!!
ባይቶ
ጸጥታ
ሕቡራት
ሃገራት
ዝወሰኖ
ማዕቀብ
ብኣንጻሩ፡
ኣብ
ልዕሊ’ቲ
ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ዘቅንዐ
ኢዩ።
መራሕቲ
ኤርትራ፡
ኣጽዋር
ከይገዝኡን
ከይሸጡን፡
መራሕቲ
ኤርትራ ከይንቀሳቐሱ፡
መራሕቲ
ኤርትራ
ዝውንንዎ
ንብረትን
ገንዘብን
ክድስክል
እኳ’ዩ
ዝብል
ውሳኔ ባይቶ
ጸጥታ
ሕቡራት
ሃገራት።
ነዚ
ኣንጻር
መራሕቲ
ስርዓት
ህግደፍ
ዘቅንዐ
ማዕቀብ
ምቅዋም፣
ኣብ
ልዕሊ
ህዝብና
ብስርዓት
ኢሳያስ
ዝፍጸም
ዘሎ
ማዕቀብ
ከኣ፡
ዓይንኻ
ዓሚትካ ምሕላፍ
ብፍጹም
ቅቡል
ክኸውን
ኣይክእልን
ኢዩ።
ክንዲ
ፍረ
ኣድሪ
ትኸውን
መግለጺ
ናይ ፍቕሪ
ሃገር
ይኹን
ፍቕሪ
ህዝቢ
ውን
የብሉን።
ስለዝዀነ፡
ባይቶ
ጸጥታ
ሕቡራት
ሃገራት
ኣብ
ልዕሊ
ሰበ-ስልጣን
ኤርትራ
ኣንቢርዎ
ዘሎ ማዕቀብ
ቅኑዕ
ኢዩ።
ዲክታቶራዊ
ስርዓት
ኣስመራ፡
በዚ
ማዕቀብ’ዚ
ኣብ
ሓጺር
እዋን
ክወድቕ’ዩ
ምባል
ዘይከኣል’ኳ
እንተዀነ፣
እቲ
ናይ
ምዕፋንን
ውግኣት
ናይ
ምሕጽታርን ዓቕምታቱ
ክዳኸም
ምዃኑ
ኣየጠራጥርን
ኢዩ።
ካብ
ምድኻም
መሓውራት
ዲክታቶር
ዝረብሕ ድማ
ጭቍን
ህዝቢ
ኢዩ።
ስለዝዀነ፡
ብደገፍቲ’ቲ
ስርዓት
ኣብ
ጅኒቭ፡
ዋሺንግተን
ዲሲ፡ መልበርን
…ወዘተ
ዝግበር
ሰላማዊ
ሰልፍታት፡
ንመሓውር
ጭቆና
ዘደልድልን
ንዕምሪ
ዲክታቶር
ዘናውሕን
ካብ
ምዃን
ሓሊፉ
ካልእ
ትርጕም
ክህልዎ
ኣይክእልን
ኢዩ።
ህዝብና፡ በዚ
ሰላማዊ
ሰልፊ’ዚ
ዝረኽቦ
ዝዀነ
ይኹን
ፋይዳ
የብሉን።
ህዝብና፡
ካብ’ዚ
ዘሕልፎ
ዘሎ
ሕማቕ
መነባብሮ
ክገላገል
እንተደኣኰይኑ፡
ዲክታቶርያዊ
ስርዓት
ኢሳያስ
ተመሓዩ
ክድርበ
ኣለዎ።
ባይቶ
ጸጥታ
ሕቡራት
ሃገራት
ኣብ
ልዕሊ
ስርዓት
ኣስመራ ዝወሰኖ
ማዕቀብ፡
ሓደ
ካብ’ቶም
ነዚ
ስርዓት
ንምውዳቕ
ዝሕግዙ
ረቋሕቲ
ክኸውን
ይኽእል
ኢዩ።
እቲ
ወሳኒ
ናይ
ውድቀቱ
ረቋሒ
ግን፡
ህዝብና
ኣንጻር
ስርዓት
ኢሳያስ
ዘካይዶ
ቃልስን ዝገብሮ
ተቓውሞን
ኢዩ።
ስለ’ዚ፡
እቶም
ብህዝቦምን
ብሃገሮም
ዝግደሱ
ዜጋታት፡
ኣንጻር’ቲ
ስርዓት
ህግደፍ
ኣብ
ዝግበር ተቓውሞታት
ደኣ’ምበር፣
ኣብ’ቲ
ስርዓት
ንረብሓኡ
ክብል
ዝጐሳጕሶ
ሰላማዊ
ሰልፍታት ክሳተፉ
ኣይግባእን።
በዚ
ስርዓት
ኢሳያስ
ዝገብሮ
ሰላማዊ
ሰልፍታት፡
ውሳኔታት
ባይቶ
ጸጥታ ሕቡራት
ሃገራት
ክቕየር’ዩ
ኢልካ
ምሕሳብ
የዋህነት
ኢዩ።
ስርዓት
ኤርትራ፡
ነቲ
ብባይቶ ጸጥታ
ይኹን
ብኣፍሪቃዊ
ሕብረት
ብተዳጋጋሚ
ዝቐረበሉ
እሞ፡
ደጋጊሙ
ዝተሓሰሞ፡
ኣጻዋር ንተቓወምቲ
ውድባት
ሶማል
ኣይተቐብሉ፣
ሰራዊታት
ጅቡትን
ኤርትራን
ካብ’ቲ
ንክልቲኡ
ሃገራት
ዘስሓሕብ
ዘሎ
መሬት
ይውጽኡ
ዝብል
ውሳኔ
ከይተገብረ፣
እቲ
ውሳኔ
ክኸርር
እንተዘይኰይኑ
ክፈኵስ
ከምዘይኰነ
ፍሉጥ
ኢዩ።
ኢሳያስን
መጋበርያታቱን
ድማ፡
ነዚ
ሓቂ’ዚ
ኣዕርዮም
ይፈልጥዎን
ይርድእዎን
ኢዮም።
ዕላምኦም
እምበኣር
ነቲ
ውሳኔ
ንምቕያር ዘይኰነስ፡
ነቲ
ብግጉይ
ተግባራቶም
ዝኸሰርዎ
ደገፍን
ምድንጋጽን
ናይ
ህዝብን
ፈተውትን ኣደናጊሮም
ክዓጽፍዎ
እንተኸኣሉ፣
ከምኡ
ውን፡
ነቲ
ብማዕቀብ
ምንጻፉ
ዘይተርፍ ማሕፉዳኦም፡
ገለ
መቃነዪ
ዝኸውን
ጠሊ
እንተረኸብሉ
ንምፍታን
ኢዩ።__
|