ማዕቐብ ከም ኩሎም ዝተበድሁ ተጻብኦታት ተበዲሃ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ክትዕቐብ ምኳና እኣምን።

 


ለካቲት 03፣ 2010

ናብ ክቡር ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቒ
መራሒ ሃገረ ኤርትራ


ኩቡር መራሒ፣

 
ሎሚ'ዉን ከም ትማሊ፣ ነዚ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራ ተወሲኑ ዘሎ፣ ዘይፍትሓዊን ዘይሕጋዊን ናይ ዓመጽ ማዕቐብ፣ ብትሪ ክቓወሞን ኣብ ምፍሻሉ ድማ እቲ ካባይ ዝሕተት እጃመይ ከበርክት ምኳነይ በዚ ኣጋጣሚ ኽገልጽ እፈቱ።
 
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጊዘ ገድሊ ኣትሒዙ፣ ከምኡዉን ካብ ጽባሕ ነጻነት ፣ብልጽግትን ምዕብልትን ፣ልዕሊ ኹሉ ድማ፣ ብግዳማዊ ሓይልታት ዘይትምወል ፣ርእሳ ኪኢላ ተሓፊራን ተኸቢራን እትነብር፣ ነጻ ሃገር ንኽምስርት ፣ከካይዶም ዝጸንሐ ጻዕርታት ፣ኣብ ሱሉስ ዓለም ፣መዳርግቲ ዘይብሉ ምኻኑ ፣ኩሎም ፈተዉትን ጸላእትን ዝምስክርዎ ሓቒ እዩ።
 
ማሕበራዊን ቑጠባዊ ማዕርነት ንምንጋስ፣ ሓያል ሰረት ንብሩህ መጻኢ ወሎዶታት ንምዉሓስ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ዘዋደዶም ስራሓት ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓቒ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ብዙሓት ናይ ዓለም ትካላት'ዉን ብዘይፍታወን ኣብ ጹሑፋተን ከስፍርኦን ክምስክራን ተገዲደን እየን።
 
ናይ መንግሰቲ ኤርትራ "ነብስኻ ባዕልኻ ምኽኣል ወይ ድማ ዘይተመጽዋትነት" ዝብል ፣ ቑኑዕን እንኾ ኣማራጺ ዕላማ ፣ድሮ ኣወንታዊ ዊጺኢቱ ስለዘመስከረ እዚ ድማ ነቶም ንዘመናት ንዉጹዓት ኣህዛብ ዓለም ብፍላይ ድማ ንጸለምቲ ኣፍሪቓዊያን ከም ድላዮም ክምዝምዙን ክዕሙጹን ዝጸንሑ ባእታት፣ ኤርትራ ናይ " ጹቡቕ ሕማቕ ኣብነት" ኮይና፣ ሻቑሎት ከምዝፈጠረትሎም በቲ ንነዊሕ አዋን ክኣልምዎ ዝጸንሑን ዝኣልምዎ ዘለዉ ተንኮላትን ተጻብኦታትን ክንግንዘብ ንኽእል።
 
ንኣስታት 60 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ መዳርግቲ ዘይርከቦ በደልን ኣደራዕን ወሪድዎ ግን በቲ ክምህ ዘይብል ሓያል መንፈሱ፣ ንኹሉ በዲሂዎን ሰጊሩዎን እዩ። ሕጂዉን ነዚ ብዓሎቕትን ጎበጥቲን ፣ተበይኑ ዘሎ ዘሕንኽ ማዕቐብ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምቐደሙ ክብድሆ ምኻኑ ዘጠራጥር የብለይን።
 
ኸምቲ ብግዳም ዝመጽእ ዘሎ ተጻብኦታት፣ ማዕረ ማዕሪኡ'ዉን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ንፍናነይን ንሃገራዉነተይን ዝፈታተን ኣሰካፊ ተጻብኦታት ስለዘሎ እዚ ተጻብኦታት'ዉን ብዝኾነ መንገዲ ክብዳህን ክእለን ስለዘለዎ እቲ ኣብ ከም ኣብ ምሕደራዊ ፍትሒ፣ ፖለቲካዊ ፍትሒ፣ ሰብኣዊ ፍትሒ፣ ኣተሓሕዛ መንእሰያትናን ዝርኤ ዘሎ ጉድለታትን ድኽመታትን ካብዛ ካሊኢት እዚኣ ብዘይዉዓል ሕደር እቲ ክዉሰድ ዘለዎ ቑኑዕ ስጉምቲ ክትወስድ ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ እምነት ከቢድ እዩ። እዚ ምስዝግበር ወዮ ማዕቐብ ከም ኩሎም ዝተበድሁ ተጻብኦታት ተበዲሃ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ክትዕቐብ ምኳና እኣምን።
 
የቐንየለይ

ሚካኤል ዘካርያስ


ላስ ቬጋስ

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ
 
ዓወት ንጭቑናት ኣህዛብ ዓለም


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።