ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም-(ካልኣይ ክፋል)


መንግስተኣብ ኣስመሮም


25 መጋቢት 2010

ደርባዊ ቃልሲ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ?!!

 

ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡  ብዛዕባ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ…. ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል ጕዳይ ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ክለዓል ከምዝጀመረ ድሕሪ ምሕባር፣ ስም ከይጠቐሰ፡ ነዚ ዋዕላ ከይዕወት ክዕንቅፉ ዝጸንሑ ሸነኻት ከምዝነበሩ ንኣኼበኛ ኣሚትሉ። ኣተሓሕዝ ኣቢሉ ከኣ፡ ስምዒት ብዝተሓወሶ ድምጺ፡ ዋዕላ ብደርባዊ ቃልሲ ኢዩ ዝዕወት ኢሉ…።

ብቐዳምነት፡ ነቲ መዝገብ ንምስትኽኻል፡ (to put the record straight): ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ንዅሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍ ዋዕላ ክገብር ኣለዎ ዝብል ጠለብ ብገለገለ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብሓፈሻ ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ ይለዓል ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ብድሕር’ዚ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡  ኣብ’ቲ ብ2001 ዘካየዶ ጕባኤኡ ሃገራዊ ዋዕላ ክግብር ዝጽውዕ ፖለቲካዊ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። ቅድሚኡ ብደረጃ ምሕዝነት፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ውሳኔ ተመሓላሊፉ ኣይፈልጥን ጥራሕ ዘይኰነስ ተዘሪብሉ ውን ኣይፈልጥን። ብድሕር’ዚ ኢዩ ምሕዝነት/ኪዳን ንጕዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክዛረበሉ ዝጀመረ።

 

ንምቅ፡ ኣብዚ ጠውቅ/ቂ 

 (1ይ ክፋል)  (3 ክፋል)


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።