25 መጋቢት 2010
ደርባዊ ቃልሲ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ?!!
ኣቶ ተወልደ ገብረስላሴ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ
ኪዳን፡ ብዛዕባ ምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ…. ሃገራዊ
ዋዕላ ዝብል ጕዳይ ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ክለዓል ከምዝጀመረ ድሕሪ
ምሕባር፣ ስም ከይጠቐሰ፡ ነዚ ዋዕላ ከይዕወት ክዕንቅፉ ዝጸንሑ ሸነኻት ከምዝነበሩ ንኣኼበኛ ኣሚትሉ።
ኣተሓሕዝ ኣቢሉ ከኣ፡ ስምዒት ብዝተሓወሶ ድምጺ፡ ዋዕላ ብደርባዊ ቃልሲ ኢዩ ዝዕወት ኢሉ…።
ብቐዳምነት፡ ነቲ መዝገብ ንምስትኽኻል፡ (to put the record
straight): ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ንዅሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት
ዘሳትፍ ዋዕላ ክገብር ኣለዎ ዝብል ጠለብ ብገለገለ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብሓፈሻ ብተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ ድማ ብፍላይ ይለዓል ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ብድሕር’ዚ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ
ብ2001 ዘካየዶ ጕባኤኡ ሃገራዊ ዋዕላ ክግብር ዝጽውዕ ፖለቲካዊ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ። ቅድሚኡ ብደረጃ
ምሕዝነት፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ውሳኔ ተመሓላሊፉ ኣይፈልጥን ጥራሕ ዘይኰነስ ተዘሪብሉ
ውን ኣይፈልጥን። ብድሕር’ዚ ኢዩ ምሕዝነት/ኪዳን ንጕዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክዛረበሉ ዝጀመረ።
ንምቅጻል፡ ኣብዚ ጠውቅ/ቂ
(1ይ
ክፋል) (3ይ
ክፋል)
|