ስደራ ቤት ሰማእታት ምሕጋዝ እቲ ዝዓበየ መለኺዒን መግለጺ ኤርትራዉነት እዩ።

ሚካኤል ዘካርያሰ :ላስ ቬጋስ  


24/4/2010

ኹቡራትን ኹቡራንን ኤርትራዊያን:

ብመጀመርያ እንቓዕ ናብ መበል 19 ዓመት ልደተ ነጻነት ኤርትራ ኣብቕዓና። ብዓል ነጻነትና ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ዝበለጸትን ዝኸበረትን ብዝኾነ ይኹን መለኽዒ ድማ እታ ዝኸበደትን ዝተሓፍረትን ስለዝኾነት ብዓቢ ድምቐት ክንጽንብላ ግድን ይኸዉን። ብፍላይ ድማ ሎሚ ዓመት ምስቲ ዓለም ብድፊኢት ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሌና ዝወሰደቶ ዘይፍትሓዉን ዘይሕጋዉን ናይ ዓሎቕ እገዳ ዝያዳ ጽንዓትናን ተወፋይነትናን እነርእየሉን ብዓውታ እምቢታና እነስምዓሉን ናይ መኸተን ናይ ድርብ መኸተን መዓልቲ ክትኸዉን ዝያዳ እድርኸና።

 ነጻነት ኤርትራ ብሓቒ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ዝኸበረትን ዝበለጸትን እያ። ስለምንታይ ዝኸበረትን ዝበለጸትን ኮይና ንዝብል ሕቶ፣ ዓለም ካብ ሓምሳታት ኣትሒዛ ኣንጻርና ብምዕጣቕ ንዘንተእለት ኣብ ትሐቲ ባርነት ተቖሪንና ክንነብር ፈሪዳትና እያ። ንሕና ኤርትራዉያን ግን ንኹሉ ናይ ልዕለ ሓያላን ሽርሕታት በዲህና ኣንጻር ድሌት ኣሜሪካን ሶቪየት ሕብረትን፣፡ኣንጻር ድልየት ሓድነት ኣፍሪቓ፣ ኣንጻር ድሌት ዐረብ ሊግን ካሉኦት ብዙሓት ሃገራትን ንመዋእል ተጋዲልና፣ መዳርግቲ ኣልቦ ስቓይን ሓሳረ መከራ ተጻዉርና ልዕሊ ኩሉ ድማ ብኣእላፍ ዝቑጸሩ ኣዚና እነፍቑሮም ብሉጻትን ኩበራንን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከፊልና ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ስለዝገበርና ነጻናትና ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እታ ዝበለጸትን ዝኸበረትን ከምትኸዉን ይገብራ።

 ስለዚኾነ ድማ ኣብ ብዓል ነጻነትና ከም ልብና ክንዘልል ከነዕልልን ክንድብልን ክንፍንጫሕን ጉቡእ ይኸዉን። ክንዮ እቲ ጓይላን ዳንኬራን ግን ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘለና ሓደ ኣዝዩ ዓቢ ነገር ከምዘሎ ከዘኻኽር እደሊ። ነጻነት ኤርትራ ጋህዲ ንምግባር ዝሓለፉ ሰማእታትና ብቑጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ከምዉጺኢቱ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 35 ሽሕ ስድራ ቤት ሰማእታት ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ወዲቖም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

 ስለዚ ንሕና እንዳሃለና ስድራ ሰማእታትና ብሕሰም መነባብሮ ክሳቐዩ ፍጹም ዘይግባእ እዩ'ሞ በጃኹም ንሕልናና ቑሩብ ንዃሕዃሓዩ። ንሕና ነጻነት ነጻነት ነጻነት እንዳበልና ወጋሕ ትበል ለይቲ ክንስዕስዕን ክንዘልልን እቶም ስድራ ቤት ናይቶም ነጻነት ክህቡና ዝሓለፉ ሰማእታት ድማ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ተሸሚሞም ክሳቐዩን እቲ ዝዓበየ ናይ ሕልና ገበን እዩ። ኣብ 2003 .ም ብጉዱሳት ሃገራዊያን ዝተጀመረ ናይ ስድራ ሰማእታት ምሕብሓብ " ሓንቲ ቕርሺ ንማዓልቲ" ምዉፋይ ዝብል መደብ ወጺኡ ድሮ ልዕሊ 5 ሽሕ ስድራ ስዉኣት ብኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራዉያን ንኽልተ ዓመት ከምእተኣለዩ ይፍለጥ። እም ቐንኣት ንኹን፣ ኣሰር አዞም ለጋሳት ሰብ ሕላና ሃገራዉያን ንስዓብ።

ጥዋፍ ከይተብርሃለይ

 ኦ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣለኻ

ካብ መዓሙቅ መቓብረይ ሕሹኽ ክብለካ

ገለ ካብ ስክፍታታተይ ከተንብሃልካ

 

አለዉኒ ስድራ ብምስዉአይ ዝዘኽተሙ

ጠባሪ ሲኢኖም ኣብ ዓዘቅቲ ድኽነት ዝተሸመሙ

 

ካን እዚ ኮይኑ ኢደይ

ክስእን ደቀይ ዝዕንግለለይ

 

ኣነ ድእ ሕጂዉን ጃህራ ከይመስለካ

ካብ መቃብር ተንሲእካ

ካልኣይ ጊዜ ተሰዋእ ንህዝብኻ

 

ዝብል ሕቶ እንተተቕርበለይ

ስጋ ስዉእ ኣይምበልኩን ኣይፋለይ

 

ግን ሓንቲ ሕቶ ምሓተትኩ

ደቀይ ደቂ ስዉኣት ዳግማይ ከይዝኽትሙ

 

ኣለኹኹም ዶ ትብሎም ትዕንግለለይ

ኣደይ ኣደ ስዉእቲ ዶ ትጥዉረለይ

ሰበይተይ ሰይቲ ስዉእ ዶ ተጸናንዓለይ

 

እዚ ኣይገበርካን እንተደርደርካዮ ጭርሖ ኣብ ልዕሊ ጭርሖ

ኣነ ድኣ ትሕቲ መሬት ሰፊረ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ

ቀደም ዓጽመ ስጋይ ተበሊዑ ብፍልሖ

ኣምሰሉ ኣይትኹን ስለ ሰማእታት ይኣኽለካ ግደፎ

 

ፈሪሃ እዝጋቢሔር ዘይብልካ ክንስኻ

ኣብ መስጊድ ኣብ ቤተ ክርስትያን ትመላለስ ከይሓነኽካ

 

ንኸተምስል ትብል ሃገረይ ሃገረይ

ህግደፍ ላሎ ህግደፍ ላሎ አንዳበልካ ትዝምረለይ

 

ተቓዋማየ እንዳበልካ መንግስተይን ዓደየን ተከማሻምሸለይ

ግደፍ ይኣኽለካ ምድባል ኣብ ልዕሊ መቓብረይ

 

እሞ ስድራ ስዉኣት እንተዘይሓብሒብካለይ

20 ሰነ መጸ በጃኻ ጥዋፍ ከይተብርሃለይ

ሚካኤል ዘካርያስ

ላስ ቬጋስ

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ
 

04/7/2010


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።