ዓገብ
ኣንታ
... ሰሚዕኩምዶ ዝብሃል ዘሎ

ሚካኤል ዘካርያሰ: ላስ ቬጋስ  


04 ግን 2010

ኣንታ ... ሰሚዕኩምዶ ዝብሃል ዘሎ
ንበይንና ብዓል ናጻነት ከንብዕሎ
ይብሉ'ለዉ ኣሕዋትና ተረኺቡም'በር ጓዶ

ኣነስ ዓገብ ይብለኩም ሰብ ከይስሕቐና
መፍቶ ጸላእቲ ከይንኸዉን መፍቶ ጓና
ሕሰቡሉ ኣስተውዕሉሉ ኾሎ ጊዜ ገና

ኣብ ጥምቐት መርዓ ኣብ ብዓል ነጻነትና
19 ዓመት ብሓባር ከምዘይተፈሳህና
ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ ዝፈላልየና

እንተ'ቲ ቑጽርና ዉሑድ'ዩ ቑንጣሮ
ኣብ ክልተ ተገሚዕናስ እንታይ'ና ክንኮኖ

ከም ቐደምና'ዶ ኣይምሓሸን ኣብ ሓንቲ መኣዲ
ኣብ ሓንቲ ኣዳራሽ ኣብ ሓንቲ ሕቘፊ
እዋእ
... ናትኩምሲ ኽኣ ዝሓለፈ
ጸላኢና ይፈለ ትብሉ ኣለኹም ክንፍለ
ንረብሓ ህዝቢ'ዶ ንረብሓ ጉጅለ

መንግስቲ ምንቓፍን ምዉቓስን ቑኑዕ እኳ እንተኾነ
ኣብ ብዓል ነጻነት ህዝቢ ምፍልላይ ንምንታይ ኣድለየ

እንተደሊኹም ከተቓልሑ ፖለቲካዊ መልእክቲ 
እኹል ጊዜ'ዶ ኣይነበረን እኹል ኣዋርሕ መዓልቲ

ይርድኣኒ ምዃኑ መሰልኩም ከተብዕሉ
ከም ኤርትራዊያን ከም ህዝብኹም
ካልእ መዓልቲ ድኣ ዘይመረጽኩም

ናይ ብሓቒ ተጋጊኹም ዓቢ ጌጋ
ድሌት ህዝቢ ጎሲኹሞ ንረብሓ ፖለቲካ

በሉ ኣነስ ከምቐደመይ
ምስቲ ሓርበኛ ህዝበይ

ኣብ ትሕቲ'ታ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ
ክነፍሖ እቲ'እምብልታ ክድስቖ እቲ ኸበሮ
ክብል'የ ወጋሕ ትበል ለይቲ
ይዕድመኩም'ዉን ሓቢርና ክንስዕስዕ ክንሰቲ

ርሑስ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ይግበረልና።

 

ሚካኤል ዘካርያስ

ላስ ቬጋስ

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ
 

04/26/2010


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።