ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም-(ቀዳማይ ክፋል)


መንግስተኣብ ኣስመሮም


22 መጋቢት 2010

ኢሳያስ፡ ከም ኵሎም ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዝነበሩን ዘለዉን ዲክታቶርያውያን፡ ብዘይብኡ ሃገር ትህሉ ኰይኑ ኣይስምዖን ኢዩ። ኣነ እንተዘይሃልየ፡ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ኣውራጃን ጐንጽታት ክትንቈት ኢያ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላም ኣብ ካልእ ሃገር የለን፤ ዋላ ኣብ ኣመሪካ ውን የለን፤ በዓል ሶማል፡ ከንያ፡ ኮንጎ’ንዶ ርኣይወን እናበለ ንህዝቢ ብምፍርራሕ ዕምሪ ስልጣኑ ከናውሕ ክህቅን ርኢና።

ዓሊ ሳልምን ደቂ መዛሙርቱን ከኣ፡ ንኤርትራ ብናይ ግሎም ድሌትን መነጽርን፡ ኣብ ክልተ ከፊሎም፡ ንብሄራትን ቋንቋታትን ኣውራጃታትን ኤርትራ፡ ኣብ ክልተ ባህልን ክልተ ቋንቋን ክልተ ሃይማኖትን ሸምቂቖም፡ ብሓደጋ ናይ ሃይማኖታዊ ውግእ እናፈራርሑ ንህዝቢ ከርዕሙ  ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም ኢዮም።

ገለገለ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንዘሎ ፍልልያትን ዘይምርድዳእትን መፍትሒታት ምንዳይ፡ እዚ ዋዕላ’ዚ እንተዘይተዓዊቱ፡ ኤርትራ፡ ናብ ቍልቍል ዝኣፉ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ቀቢላውን ኣውራጃውን ውግእ ክትኣቱ ኢያ። እቲ ዋዕላ ኣብ’ቲ ተመዲብሉ ዘሎ ዕለትን በቲ ተታሒዝሉ ዘሎ ቅጥዕን እንተዘይተኻይዱ፡ ናይ ኤርትራ “መወዳእታ ዓለም” ክኸውን ኢዩ፤ በዚ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ከኣ ክህልዉ ኢዮም እናበሉ ንህዝቢ ከፈራርሑ ተራእዮም።

 

ንምቅ፡ ኣብዚ ጠውቅ/ቂ 

  (2ይ ክፋል) (3 ክፋል)


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።