ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም-(ሳልሳይ ክፋል)


መንግስተኣብ ኣስመሮም


26 መጋቢት 2010

ናይ ኣገባብ ወይ ኢጅርኣት (procedure) ጌጋታት’ዩ ከኣ ተባሂሉ!!!

ካብ’ቲ መሪሕነታዊ ዎርክሾፕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደሉ ወርሒ ሓምለ 2009 ዓ,ም ኣትሒዙ፡ ክሳብ 19 ታሕሳስ 2009 ብደረጃ ኪዳን ንዋዕላ ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ስርሓት ኣይተሰርሐን። ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ን5 ታሕሳስ ክእከብ’ዩ ምስ ተባህለ፡ እዚ ኣኸባ’ዚ ክሳዕ 15 ታሕሳስ እንተዘይተገይሩ፡ ንሰለስተ ኣብ ጒዕዞ ምጽንባር ዝነበረ ውድባት ክጥዕሞም ዘይምዃኑ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተሓቢሩ ነይሩ ኢዩ። ካብ ዕለት 20 ታሕሳስ ክሳብ 31 ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ፡ ናይ’ቲ ሰለስተ ዝጸናበር ዝነበረ ውድባት መሪሕነታት  (ማለት ናይ ሰ.ህ.ኤ፡ ሰ.ዲ.ኤን ኤ.ህ.ምን ፈጸምቲ ሽማግለታትን ማእከላይ ባይቶታትን) ጽዑቕ ኣኼባታት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ ነይሩ።

 

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ እዋን ኢዩ፡ ህጹጽ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንጕዳይ ናይ’ቲ ኣብ ግንባር ድሕነት ዝተጋህደ ምፍንጫል ክርኢ እተጸውዐ። ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ’ታ ናይ ዕለት 19 ታሕሳስ ኣኼባ ጥራሕ ተሳቲፉ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ ኣኼባታት ግን፡ ክሳተፍ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ናይ ሰልፊ ህዝቢ መሪሕነታዊ  ኣኼባታት ስለዝነበሮ ኢዩ። ወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራስን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ውን ከምኡ፡ ኣብ’ዚ ህጹጽ ኣኼባ ጠሪሶም ኣይተሳተፉን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ካልኦት ክልተ ዘይተሳተፋ ውድባት ውን ነይረን ኢየን። ብሓጺሩ 8 ውድባት ዝተረኽብሉ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ ተኻይዱ። እቲ ዘገርም ከኣ፡ እዚ ንሓደ ጕዳይ ክርኢ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ ኢዩ፡ ነዚ ኵሉ ሕጂ ዘስሓሕብ ዘሎ ንዋዕላ ዝምልከት ጕዳያት ዝወሰነ። ንምንታይ’ዩ ኣብ’ቲ 5 ውድባት ክርከብሉ ዘይከኣሉ ኣኼባ፡ እዚ ኵሉ ንዋዕላ ዝምልከት ጕዳያት ብተብተብ ተወሲኑ። ምጽንባራዊ ዋዕላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝውዳእ’ኳ ክጽበዩ ወይ ክዕገሱ ኣይደለዩ። እዚ”ኸ፡ ናይ ኣገባብ ወይ እጅርኣት ጕድለት ጥራሕ ድዩ!!!?

 

ብኣንጻሩ ከኣ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ንጕዳይ ውክልና ናይ ሰለስተ ዝተጸንበራ ውድባት ማለት ንጕዳይ ውክልና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሳን፡ ኣድላዪነት ዘይነበሮ ህጹጽ ኣኼባ ተጸዊዑ። ኣብ’ዚ፡ ኣኼባ’ዚ ክንዛረበሎም እንደሊ ንዋዕላ ዝምልከቱ ኣጀንዳታት ኣለዉና ምስ በልና ድማ፡ ዕጭ ሓንፈፍኩ፡ እዚ ህጹጽ ኣኼባ ንሓንቲ ኣጀንዳ፡ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ውድብ ድዩ ወይስ ከም ሰለስተ ዝውከል ዝብል ሕቶ ንምምላስ ጥራሕ ኢዩ ተጸዊዑ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና። እዚ ንተመሳሳሊ ጕዳያት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምሓዝ’ከ፡ ናይ እጅርኣት ጕድለት ድዩስ ወይስ ብኽልተ ማንካ ምብላዕ ኢዩ?

 

ብኻልእ ሸነኽ፡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ብሓምለ 2009 እተጋብኤ ዎርክሾፕ ናብ ኵሎም ተሳተፍቲ ከለኣኽ፣ ዎርክሾፓት ኣብ ኵሉ ቦታታት ክግበሩ፡ ሚድያዊ ንጥፈታት ምንህሃር …ወዘተ ዝብሉ ውሳኔታት ናይ’ቲ ብወርሒ ሓምለ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መሪሕነታዊ ዎርክሾፕ ክሳብ’ዛ ሕጂ ዘሎናያ ዕለት እዚኣ ኣብ ግብሪ ከይወዓሉ ጸኒሖም። ናይ ሓምለ 2009 ውሳኔታት ማእከላይ መሪሕነት ኪዳን እውን ናብ ዝምልከቶም ኣባላት ባይቶን ውድባትን ክሳዕ ሳልሳይ ሰሙን ናይ ጥሪ 2010 ኣይበጽሐን ነይሩ!!

 

ዕለት 5 ታሕሳስ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ፡ ክሳብ ዕለት 20 ታሕሳስ ምምጣጡ፤ ኣብ መሪሕነታዊ ዎርክሾፕ ዝተወሰኑ ውሳኔታት ከይተገብረካ፡ ኣብ “ኣፍ-ኣርክቡ” ዝዓይነቱ ሃታሃታ ኣቲኻ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዋዕላ ክግበር ኢልካ ምውሳን፡ ናይ ኣገባብ ወይ ናይ እጅርኣት ጌጋ ድዩ ወይስ ኰነ ኢልካ ዝተገብረ ፍሕሶ ኢዩ? ስለምንታይ’ከ?

 

ውሳኔታት ማእከላይ መሪሕነት፡ ዋዕላ ብኪዳን ክምእከል፡ ኣብ ምስንድኡ ድማ 13 ውድባት 8 ሲቪላውያን ማሕበራትን ሓላፍነት ክስከማሉ ዝብል’ዩ ነይሩ። ኣነ ከም ዝፈልጦ፡ እቶም ካብ ሲቪላውያን ማሕበራት ተመሪጾም ዘለዉ ወከልቲ፡ ብዘይካ ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ሲቪላውያን ማሕበራት ዝብሃል መለኪዒታት ዘየማልኡ እዮም።

 

ኣብ’ቲ ብ19 ታሕሳስ 2009 ዝጀመረ ህጹጽ ኣኼባ፡ ካብ ሲቪላዊ ማሕበራት ዝውከሉ ሰባት ኣባላት ውድባት ክዀኑ የብሎምን፣ ምኽንያቱ፡ በዚ ውድቦም ክውከል፡ በቲ ከኣ ንሶም  ብሲቪላዊ ማሕበራት ተወኪሎም ክመጹ ፍትሓዊ ኣይኰነን ዝብል ውሳኔ ኢዩ ተመሓላሊፉ። ብግብሪ ግን፡ ኣባላት ውድባት ዝዀኑ ሰባት ንሲቪላውያን ማሕበራት ወኪሎም ክመጹ ተራእዮም። እዚ”ኸ ናይ ኣገባብ ወይ ናይ እጅርኣት ጕድለት ድዩ ወይስ ካልእ ዕላማታት ዘለዎ ኣሰራርሓ ኢዩ?

 

ኣብ’ቲ ናይ ዕለት 20 መጋቢት 2010 ናይ ፓልቶክ ኣኼባ፡ ዘይተወከላ ሲቪላውያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ንሓው ተወልደ ገብረስላሰን፡ ንሓው ዓብደላ ምስ ቀረበ፡ ዝተዋህበ መልሲ፡ …ንዅለን ሲቪላውያን ማሕበራት ክንዕድም ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ እንተደኣ ጌርና እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 100 ክትከውን’ያ ማለት ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ንሕና ነተን ብመርበብ (ነትወርክ) ዝተጠርነፋ ሲቪላዊ ማሕበራት ኢና ሂብና…ኢሉ።

ካብ’ዞም፡ ኣብ ኣሰናዲት ኮሚቴ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ብዘይካ ሓደ፡ ካብ ዝተጠርነፉ ወይ ካብ መርበብ ዝመጸ ከምዘየለ ግን ንዅሉ ብሩህ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ውሳኔ ናይ ህጹጽ ኣኼባ ብምጥሓስ፡ ኣባላት ውድባት ዝዀኑ ብስም ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ክመጹ ተገይሩ፣ ከምኡ ውን ኣባላት ሲቪላዊ ማሕበራት ዘይኰኑ ኣብ ኣሰናዳኢት ዝኣተዉ ኣለዉ። እዚ’ኸ ናይ እጅርኣት ወይ ናይ ኣገባብ ጕለት ጥራሕ ድዩ?
እቲ ዘስደመመኒ፡ ሓው ተወልደ ገብረስላሰ፡  ብሓደ ሸነኽ፡ እቲ ናይ ብሩክሰል ተረኽቦ ንሲቪላውያን ማሕበራት መቓቒልወን ኢዩ እናበለ ከብቅዕ፣ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ካብ ጥርኑፋት ሲቪላውያን ማሕበራት ኢና ተወከልቲ ኣምጺእና ዝብል መልሱ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ብሩክሰል ተረኽቦ ኣብ’ዚ ኣመራርጻ’ዚ ግደ ከምዝነበሮ ዘርኢ ብሩህ ምልክት ዘለዎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ብዓይኒ ሓው ተወልደ፡ በርገሳዊ ማሕበራት ኮኑ ውድባት ብናይ ብሩክሰል “ሓጥያት” (መርገጻቶም) ድዮም ክፍረዱ ተደልዩ?

ካብ 10 ንላዕሊ ዝዀና ሩማት ናይ ፓልቶክ እንከለዋ፡ ንሓደ ሩም ባዕልኻ መሪጽካ ምውሳድ’ከ እንታይ’ዩ መዐቀኒኡ? እዚ ፓልቶክ’ዚ ጥራይ ኢዩ ተቓዋማይ ናይ ስርዓት ህግደፍ ማለት ድዩ? በዚ ጒዳይ’ዚ ብፓልቶክ ኣቢሎም ኣሕዋት ሑሰን ኸሊፋን በሺር ይስሓቕን ንውሳኔ ሓው ተወልደ ተጻሪሮምዎ ከም ዝነበሩ ኩሉ ኣብ’ቲ ሩም እተሳተፈ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ብመሰረቱ’ኳ፡ ብናተይ ተረድኦ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣመሓደርቲ ፓልቶክ ሲቪካዊ ማሕበር ኣይኰኑን። ሩም ንምኽፋት ዝዀነ ኮምፕዩተር ዘለዎ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኢዩ። ከም’ቲ ካልእ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ በቲ ናይ’ቲ ትነብረሉ ዘሎኻ ሃገር ከተማልኦ እትሕተተሉ ሕጋዊ ቅጥዕታት ኣየድልዮን ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ፡ ከምዝበሃል፡ በዚ ባዕልኻ ማዕጾ ከፊትካስ፡ ድሓር በዚሖም’ዶስ እንታይ’ዶስ እናበልካ ምስምስ ምብዛሕ ምኽኑይ ኣይኰነን። ይቃለሱ ኣለዉ፡ ክሳተፉ ይግብኦም ኢዩ እንተደኣ ኢልና ከኣ፡ ኵሉኹም ሩማት ተኣኪብኩም ወካሊኹም ሃቡና ምባል ምኣኸለ ነይሩ። እምበር፡ ንገለ ኣቕሪብካ ንገለ ምግላል፡ እንታይ ትብሉ ከምትውዕሉ ንፈልጥ እንዲና ምባል ቅቡል መልሲ ኣይኰነን። ናይ ክትዕ ሩማት ስለዝዀነ፡ ንዅላትና እምበር ንሓደ ጥራሕ ኣይኰኑን ዝነቕፉ። ንዓና ዝተባህለና እንተንነግሮ’ኸ፡ ሓሳቡ ደኾን ምቐየረ?? ዘይፈልጦ እንተዀይኑ ማለተይ’ዩ!!!

ብተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዝተዋህበ መልሲ ከኣ፡ ውድባተን ስለዘየምጽአን፡ ኪዳን ከመይ ገይሩ ከምጽአን ዝብል ነይሩ። ብርግጽ፡ ብውድባት ተወኪለን ክመጻ ዘይምኽኣለን ድኽመት ናይ’ተን ውድባት ኢዩ። ግን፡ ካብ’ተን ሲቪላውያን ማሕበራት ኰይነን ክመጻ ዘይምኽኣለን ድኽመት ናይ ኪዳን ደኣ’ምበር፡ ናይ ካልኦት ኣይኰነን። ኣነ ዝፈልጠን ናጻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራት ኣብ ጀርመን፡ ሽወደንን ኖርወይን ኣለዋ። ካብ’ዚአን ስለምንታይ ዘይተወከላ። 100 ከይንበጽሕ ዝብል መልሲ ቅቡል ኣይኰነን። 13 ዝነበራ ውድባት ናብ 11 ወሪደን። ግሎባል ሶሊዳሪቲ ወከልቲ ኣይሰደዱን። ስለ’ዚ፡ እዚ ቦታ’ዚ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ክኣትውዎ ኣይክእሉን ድዮም ነይሮም። ኣብ ኣመሪካ ከኣ፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ መንእሰያት ማሕበራት ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ዋዕላ፡ ብኪዳን’ዩ ዝምእከል ዝብል ውሳኔን ተረድኦን ኢዩ ነይሩኒ ነይሩናን። ሕጂ ከኣ፡ ኣነ ናጻ ኢየ፡ ኣነ’የ ንዋዕላ ዝውንኖ እትብል ኣሰናዳኢት ኮሚቴ መጺኣትና ኣላ። ክሳብ ሕጂ ኣየናይ’ዩ እቲ ሓቂ ጌና ኣይበርሃለይን። ውሳኔ ማእከላይ መሪሕነት ድዩ ወይስ ውሳኔ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ እቲ ቅኑዕ?
   
 


(1ይ ክፋል) (2ይ ክፋል)


ዓንሰባ  ዶት  ኮም  ምስ  ልሙድ  ኣረዳድኣ ዝጻረር ስነ- ጽሑፍ  ይኹን ርኢይቶ  ኣይቅበልን ፡ ን አብኡ ዝሰፍር  ስነ- ጽሑፍን ሪኢይቶን  ድማ   ብሓላፍነት ከም ዘይሕተት  የረጋግጽ :፡
ሕቶ ይኹን ሰነ- ጽሑፍ ናብ contact@ansaba.com ይስደድ
 
ዓንሰባ  ዶት  ኮም   ዝኾነ ናይ  በጻሕቱ  ብሑትነት   ይኹን ሓበሬታ  ይሕሉ።